ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መርዓ ብዝተፈንጀረ ቦንባ ዝሰዓበ ሞት

ክልል ኣምሓራ

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ እናርጅ እናውጋ ቀበሌ እናርጅ ሲማ ትማሊ ኣብ መርዓ ብዘጋጠም ምፍንጃር ቦንባ ክልተ ሰባት ሞይቶም።

በቲ ምፍንጃር ናይ ቡንባ ኣርባዕተ ከቢድ ካልኦት ኣርባዕተ እውን ፎኲስ መውጋእቲ ከም ዘጋጠሞም ኣብ ወረዳ እናርጅ ኣናውጋ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ ርክባት ወይዘሮ ጥሩሴት መንግስቱ ንቢቢሲ ሓቢራ።

ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ነቲ ቡንባ ሒዞዎ ከምዝነበረን እዚ ግለ ሰብ ቤተሰብ እቶም ዝምርዓዉ እዩ።

ወይዘሮ ጥሩሴት እዚ ሓደጋ ናይ ኣጋጣሚ'ምበር ብዕላማ ዝተገበረ ከምዘይኮነ'ውን ሓቢራ።

እቶም በቲ ሓደጋ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዝበጽሖም ሸሞት ሰባት ኣብ ሕክምና ይእለዩ ከምዘለዉ ተገሊጹ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ካብ ኣርባዕተ ንላዕሊ ሰባት ከይእከቡ ኣብ ዝኣወጀሉ'ዩ እዚ ሓደጋ ዘጋጥም ዘሎ።

ወይዘሮ ጥሩሴት ወረደኦም ምትእኽካብ ሰብ ደው ክብልን ሰብ መርዓ ከይገብርን ንምግዳድ ይረባረቡ ከምዘለዉ'ያ ትጠቅስ።

"ንሕና መርዓ ከይካየድ ሓቢርና ኢና፡ ተሓቢኦም መርዓ ኣናኣካየዱ ኣንከለዉ'ዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ" ትብል።

ብምስዓብ "ሰብ ኣብዚ ሕማም ዘለዎ ግንዛበ ከበርኽ ክንሰርሕ ጸኒሕና ኢና፡ ነቶም ሕጊ ዝጠሓሱ ድማ ናብ ሕጊ ነቕርቦም ኣለና። በዚ ምኽንያት መርዓን ተስካርን ከካይዱ ዝረኸብናዮም 41 ሰባት ክሲ ተመስሪትዎም ኣሎ" ትብል።

ወይዘሮ ጥሩሴት ምስዚ ፍጻመ ተተሓሒዙ ኣብ ሕጊ ዘቀረበ ሰብ እንተሎ'ውን ተወኪስናያ " እቲ ነቲ ቦንባ ሒዙ ዝነበረ ሰብ ሞይቱ'ዩ፡ ነዚ መርዓ ዘካየዱ ስድራ ግን ሕጊ ስለዝጠሓሱ ተሓተትቲ ዘይኮንሉ ምኽንያት የለን" ኢላ።

ፖሊስ ወረዳ እናርጅ እናውጋ ብወገኑ፡ ፖሊስ ናብቲ ቦታ ብምውፋር ነቲ ጉዳይ የጻርዮ ከምዘሎ ሓቢሩ'ሎ።