ናይጀርያ፡ ብብዙሕነት ብሄራት ዝተኸፋፈለት ናይጄሪያ ሓድነታ ሓልያ ክትቕጽል ትኽእል'ዶ?

ናይጄሪያ፡ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሪጣንያ ናጻ ካብ እትወጽእ 60 ዓመት ገይራ ኣላ።

ግንከ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዘሎ ብዙሕነት ብሄር ብሄረሰባት ከመይ ኣቢልካ ናብ ሓደ ክመጽእን ዕግበት ክህልዎን ምግባር ይከኣል?

ናይጄሪያ፡ ኣብ መጀመርታ ዓሰርተ ዓመታት ናጽነታ ሰንከልከል ዘብል ዝነበረ ጸገም ከይተናገፈት 60 ዓመት ኣቑጺራ'ላ።

ሓያል ሞገት ካብ ዘለዎም ሃገራዊ ክትዓት፡ ኣየናይ ብሄር መዓዝ፣ ኣበይን ብኸመይን ጎሊሑ ይውጻእ ወይ ከኣ፡ እቲ ሓደ ምስቲ ካልእ ምውድዳር ገዲፍና ብኸመይ ብማዕረ ንሕዞ? ዝብል እዩ።

መንግስቲ ናይጄሪያ፡ ቅድሚ 40 ዓመት'ዩ ማዕርነት ብሄራት እታ ሃገር ንምሕላው ዘኽእል ፖሊሲ ኣላልዩ።

እንተኾነ፡ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ምክፍፋልን መረረትን እዩ መሪሑዋ።

ኣብ ናይጄሪያ ልዕሊ 300 ብሄራት ኣለው። እታ ሃገር 36 ግዝኣታት ዘለዋ ኮይና፡ ኣቡጃ ድማ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር እያ።

ኣብ ደቡብ ምብራቕ ዝርከቡ ብሄሰረብ ኢቦ፣ ኣብ ደቡብ ምዕራብ ዝርከቡ ብሄረሰብ ዮርባን፡ ኣብ ሰሜን ዘለው ሃውሳን እቶም ዓብለልቲ ብሄራት እታ ሃገር እዮም።

እዞም ብሄራት፡ ቅድሚ ብሪጣንያ ናብ ሓደ ጠርኒፋ ፌደራላዊ ስርዓት ክኽተሉ መገዲ እተርእዮም ዝተፈላለዩን ነንሕደሕዶም ዝቓለሱ ዝነበሩ እዮም ነይሮም።

ንስልጣን ዝግበር ውድድር ወይ ድማ ማዕርነትና ኣይተሓለወን ዝብል ቁጥዐ ብዙሕ ግዜ ቅትለትን ዘረፋን፣ ዓመጽን ናዕብን ንክለዓል ምኽንያት እናኾነ ጸኒሑ።

ካብ 1967 ክሳብ 1970 ኣብ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ኣእቲዩዋ ነይሩ።

ኣብቲ ግዜ፡ ብሄረሰብ ኢቦ ካብ ናይጄሪያ ናጽነቶም ኣዊጆም ባያፍራ ዝተባህለት ሃገር ክምስርቱ ይቃለሱ ነይሮም።

ግን ድማ ንኹሎም ብሄራት ዝሓቁፍ ኣምር "ፌደራላዊ ስርዓት" ዝሰብኽ ሕገ መንግስቲ ብ1979 ክጸድቕ ብምግባር ሓደ ኮይና ንምቕጻል ጻዕሪ ትገብር።

እዚ ሕገ መንግስቲ፡ "ብዙሕነት ቋንቋ፣ ብሄር፣ ሃይማኖትን ከባብን ናይጄሪያ" ዘንጸባርቑ ትካላት ንምህናጽ'ውን ዕላማ ዝገበረ እዩ።

ኣብ መጀመርታ፡ እዚ ንኹለን ክፋላት እታ ሃገር ተስፋ ዝሃበን ናብ ሓደ ክመጽኡ ስምዒት ዘሕደረን'ዩ ነይሩ።

ይኹን'ምበር፡ እዚ ጉዳይ ናይጄሪያ ብዝኸፍአ መልክዑ ክትከፋፈልን ክትዓኑን ገይሩ'ዩ ኢሎም ብዙሓት ናይጄሪያውያን ይቃወሙ።

ጋዜጣታት እታ ሃገር ወትሩ "ፌደራላዊ ምሕደራ ንናይጄሪያ መርገም'ዩ" "ፌደራላዊ ስርዓት የብቅዕ" ዝብሉ ኣርእስታት ዘለዎም ሕታማት ሒዘን እየን ዝወጽኣ።

ገሊኦም፡ ፌደራላዊ ስርዓት ነቲ ዝጸንሐ ኣብ ሞንጎ ኣብ ሰሜን ዘለው እስላምን ክርስቲያን ደቡብን እታ ሃገር ዘሎ ዘይማዕርነታዊ ዕድል ትምህርቲ ከመዓራሪ ኣይከኣለን ኢሎም ይነቕፉዎ።

እዚ ፍልልያት ምስ ካልኦት ተደሚሩ ከም ሃይማኖት፣ ባህሊ፣ ድሕሪ ባዕዳዊ መግዛእቲ ተግባራዊ ዝኾኑ ፖሊሲታት፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ድማ መጥቃዕታት ዕጡቕ ጉጅለ ቦክሓራም ክፈጥር ክኢሉ።

ከም ጸብጻብ ዩኒሴፍ፡ ናይጄሪያ ናብ ቤት ትምህርቲ ዘይኸተቱ 13 ሚልዮን ህጻናት ኣለውዋ። እዚ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ እዩ።

ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 69 ሚእታዊት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝቕመጡ እዮም።

በዚ ምኽንያት፡ እቲ ዞባ ኣብ ናይጄሪያ እቲ ዝተሓተ መጠን ምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእሉ ሰባት ዝርከብሉ ኮይኑ ይርከብ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ዞባ ካብ 200 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ናይጄሪያ ነቲ 90 ሚልዮን ህዝቢ ሒዙ ይርከብ። ካብ 36 ግዝኣታት ናይጀርያ ንኣቡጃ ሓዊሱ፡ እተን 20 ግዝኣታት ኣብቲ ዞባ ይርከባ።

እዚ ዞባ ምስ ካልኦት ዞባታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ቑጽሪ ኣብ ትካላት መንግስቲ ዕድል ስራሕ ዝረኽቡ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ዝተሓተ እዩ።

"ኣዝዩ ብዘሕዝን መልክዑ 'ፌደራላዊ ባህሪ' ብቑዓት ዘይኮኑ ሰባት ኣብ መንግስታዊ ስራሓት ንክዋፈሩ ዝገበረ ቃል ሽፋን እዩ" ይብል ምኽትል ፕሬዝደንት ሰኔት ናይጄሪያ ዝነበረ ኢኬ ኢክወሬማዱ።

"እዞም ሰራሕተኛታት ፍርያምነት ክንኪ፣ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክደክምን መወዳእትኡ ኣታዊ ዘይርከቦ ክኸውን ገይሮም'ዮም" ኢሉ።

እዞም ብቑዓት ዘይኮኑ ነቶም ብብቕዓቶም ክሰርሑ ዝኽእሉ ሓሊፎም ዕብየት ዝረኽቡ ስለ ዝኾኑ፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ብሄራት ዝርአ ምስሕሓብ መብዛሕትኦም ተወላዲ ብሄሮምን ዘመዶምን ዝኾነ ሰብ ክመጽእ ብምግባር ይንጸባረቕ።

ሰሜናውያን፡ ኣብ ውሽጢ 60 ዓመታት ዕድመ ናጽነት ናይጄሪያ 38 ግዜ ዝመርሑዋ ኮይኖም መብዛሕትኡ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ዝሓዙዎ እዩ።

ብዙሓት ናይጄሪያውያን፡ ገሊኦም መሳርሕቶም ብቐሊሉ ዘመድ ስለ ዘለዎም ጥራሕ ተረባሕቲ ክኾኑ እናርኣዩ ጻማ ጻዕሮም ከም ዘይረኽቡ ክዛረቡ ኢኻ ትሰምዖም።

ዳርጋ በብዓመቱ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት፣ ጋዜጣታትን ፓርላመንታዊ ክትዓትን ናብ መንግስታዊ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ዘእቱ ነጥቢ ክጎድል ኣለዎ ዝብሉ ክትዓት ይልዓሉ።

ኣብ ሰሜን ናይጄሪያ ኣብ ዘለዋ ገለ ግዝኣታት ዝመጽኡ ተመሃሮ፡ ካብ 200 ነጥቢ ክልተ እንተኣምጺኦም ክሓልፉ ክፍቀደሎም እንከሎ፤ እቶም ካብ ደቡብ ዝመጽኡ ተመሃሮ ብውሑድ 139 ነጥቢ ክረኽቡ ትጽቢት ይግበር።

'ተነቃፊት ብልጽቲ ጋንታ'

ብሉጽ ርእሲ ናይጄሪያውያን ብትምህርትን ብቕዓትን ሃገሮም ንቕድሚት ንምስጓም ዕድል ረኺቡ ኣይፈልጥን።

ኣብ 2015፡ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ናይጄሪያ ናይ ትሕቲ 17 ዓመት ንሓምሻይ ግዜ ክትዕወት እንከላ፡ እታ ሃገራዊት ጋንታ ብዙሕነት ይሓጽራ ከም ዝነበረ ብምግላጽ መንቀፊ እቲ 'ፌደራላዊ ስርዓት' ኮይና ነይራ።

ቅድሚ እቲ ጸወታ፡ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ኢማኑኤል ኣሙንኬ ተጻወትቲ እታ ጋንታ ካብ ትውልዲ ዓዱ ደቡብ ምብራቕ ናይጄሪያ ጥራሕ ዝመጽኡ ገይሩዎም ተባሂሉ ሓያል ነቐፌታ ይበጽሖ ነይሩ።

ንሱ ግን ብሉጻት ዝበሎም እምበር መን ኣበይ ተወሊዱ ዝብል ቖጺሩ ዝገበሮ ከም ዘይኮነ ተዛሪቡ።

ገለ ናይጄሪያውያን 'ፌደራላዊ ምሕደራ' ሃገራዊ ሓድነት ከምጽእ ከም ዘይክእል ብምግላጽ ምምሕያሽ ዘድልዮ እዩ ይብሉ።

ነዚ፡ ኣብ ኩለን ክልላት ናይጄሪያ ብቑዓት ዝኾኑ ሰባት ስለ ዘለው ኩሎም ተደሊዮም ክመጽኡ ድማ ይጠልቡ።

ግንከ፡ ኣብ ዓለም ኣብ ብዙሓት ዓውድታት ምስጉናትን ብፍልጠቶም ብቑዓትን ዝኾኑ ናይጄሪያውያን ካብታ ብትምህርቲ ዝተገለለት ሰሜን ዝወጽኡ እዮም።

"ኣብ ኩሎም ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ካብ ኩለን ክልላት ዝመጽኡ ናይጄሪያውያን ክህልው ኣለዎም ኢለ ይኣምን" ይብል ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ዝነበረ ላሚዶ ሳኑሲ።

"ግን ድማ እቶም ሰባት ዓቕሚ ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ" ኢሉ።

ፖለቲካ ስልጣን ናይጄሪያ

  • 1 ጥቅምቲ 1960 ናይጄሪያ ናጽነታ ረኺባ፤ ድሕሪኡ ኣብ 1966 ክልተ ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ተካይዱ
  • 1967፡ ሰለስተ ግዝኣታት ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ዓርሰን ክኢለን ጠጠው ንምባል ዓሚጸን፤ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ኲናት ባያፍራ ድማ ተኻይዱ
  • 1979፡ መረጻ ተኻይዱ ሸሹ ሻጋሪ ናብ ስልጣን መጺኡ፤ ድሕሪ 4 ዓመት ካብ ስልጣን ተኣልዩ። ድሕሪ ብተደጋጋሚ ወተሃደራዊ ዕልዋ ተኻይዱ
  • 1993፡ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር መፐስሁድ ኣቢኦላ ከም ዝተዓወተ ዝሕብር ውጽኢት መረጻ ምስተሓበረ እቲ መረጻ ክስረዝ ገይ
  • 1999፡ ወተሃደራዊ ጀነራል ሳኒ ኣባቻ ምስ ሞተ ዴሞክራሲ ነፍሲ ክትዘርእ ጀሚራ
  • 2015፡ መሓመድ ቡሃሪ ድሕሪ ናጽነት ፈላማይ ካብ ተቓወምቲ ዝተመረጸ ፕሬዝደንት ኮይኑ

ፕሬዝደንት መሓመድ ቡሃሪ፡ ንፖሊሲ 'ፌደራላዊ ባህሪ' ዕሽሽ ክብሎ እንከሎ፡ ካብ ተቓወምቱ ተደጋጋሚ ነቐፌታ ዝበጽሖ መራሒ እዩ።

ምኽትል ፕሬዝደንት ሰኔት ናይጄሪያ ዝነበረ ኢኬ ኢክወሬማዱ ኣብ 2018 ኣብ ባይቶ እታ ሃገር "ምስ ዝኾነ ክፋል ናይጄሪያ ጸገም የብለይን፤ ግን ድማ መንግስቲ ብዝኽተሎ ናይ ሽመት መገዲ ዕጉብ ኣይኮንኩን" ኢሉ ነይሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብ 20 ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቶም 17 ብመሓመድ ቡሃሪ ዝተሸሙ ኮይኖም፡ ካብ ሰሜን ዝመጽኡን እቶም 16 ድማ ከምኡ እስላም ዝኾኑን እዮም።

ካብ 21 ሓለፍቲ ፖሊስ እቶም 15 ሕጂ'ውን ካብ ሰሜን ዝኾኑን እቶም 16 ድማ እስላምን እዮም።

ብዛዕባ እዚ ዝተሓተተ፡ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ፕሬዝደንት ጋርባ ሼሹ፡ "ኣብ ወተሃደራዊ ክፍሊ ንዘይእመኑ ሰባት ቦታ ክትህብ ይክኣል ድዩ?" ብማለት'ዩ መልሲ ሂቡ።

ኣብ ሓደ እዋን ደጋፊ ፕሬዝደንት መሓመድ ቡሃሪ ዝነበረ፡ ፕሬዝደንት ነበር ኦባሳንጆ፡ ቡሃሪ "ነቲ ብዙሕነት ብስርዓት ኣይሓዞን" ክብል ዝነቐፎ ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኻ ዝተኸፋፈለት ንክትኸውን ተሓታቲ እዩ ክብል ነቒፉዎ'ዩ።

ተሸላሚ ኖቤልን ደራስን ዎሌ ሾኒካ'ውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተመሳሳሊ ርኢይቶ ሂቡ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ኣፈኛ መሓመድ ቡሃሪ፡ ኣብ ሕሉፍ ዝነበሩ ምምሕዳራት'ውን ተመሳሳሊ ነቐፌታ ይቐርበሎም ነይሩ እዩ ዝብል።

"ኣብ ቤት ጽሕፈት እንድሕር ዘይኮንካ፡ ናይ ካልኦት ድኽመት ይርኣየካ። ኦባሳንጆ ኣብ ስልጣን እናሃለወ፡ ካብ ደቡብ ምዕራብ ዝመጽኡ ሰባት ጥራሕ ይሸይም ኣሎ ተባሂሉ ይንቀፍ ነይሩ" ኢሉ።

ገለ ኣኽረርቲ ሓይልታት፡ ኣብ ናይጄሪያ ዘለው ጸገማት ዝፍትሑ እታ ሃገር እንተተበቲና ጥራሕ እዩ ይብሉ።

ገለ ፖለቲከኛታት ድማ እቲ ስርዓት ዳግም ክውደብ ብምግባር፡ ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ብምልሕላሕ ግዝኣታት ዚያዳ ስልጣንን ልኡላውነትን ክረኽባ ብምግባር ናይጄሪያ ብሓድነት ክትቕጽል ትኽእል እያ ይብሉ።

ዝተባህለ እንተተባህለ፡ ዕጫ ናይጄሪያ መንግስታት ንብዙሕነት እታ ሃገር ብኸመይ ይኣልዩዎ ኣብ ዝብል ዝተሞርኮዘ እዩ።