ዩኒቨርሲቲ ሌጎስ፡ 'ነጥቢ ትምህርቲ ብጾታዊ ርክብ ዝቐየረ' መምህር ኣጊዱ

ቢቢሲ 'ኣፍሪቃ ኣይ'፡ ኣብ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝኾና ናይጀርያን ጋናን፡ ብመምሃራን ዝፍጸም ጾታዊ መጥቃዕቲ ዘቃልዕ ሰነዳዊ ፊልም ሰሪሑ'ዩ።

ኣብ ናይጀርያ ዩኒቨርሲቲ ሌጎስ ኣብ ዝተኻየደ መርመራዊ ስራሕ ጋዜጠኝነት ድማ፡ ዶክተር ቦኒፌስ ኢግቤንጉ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ መጥቃዕትታት ዝፍጽሙ ሰባት ኮይኑ ተረኺቡ።

ትማሊ፡ እዚ ቢቢሲ ዝሰርሖ ሰነዳዊ ፊልም ምስ ተዘርገሐ፡ እቲ ዩኒቨርሲቲ ነዚ መምህር ኣጊድዎ ኣሎ።

ቦኒፌስ ዝሰብኸላ ዝነበረት ቤተክርስቲያን'ውን ካብ ኣገልግሎት ኣጊዳቶ ትርከብ።

እቶም ቢቢሲ 'ኣፍሪቃ ኣይ' ብምስጢር ዝቐድሖም ስእሊታት ዶክተር ቦኒፌስ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ሓያል ተቓውሞ እንተስዕቡ፤ ብዙሓት ድማ፡ ካልኦት ኣብ ልዕሊ ተመሃሮ ዝፍጸሙ ጾታዊ መጥቃዕታት ክቃልዑ ሓቲቶም።

እቲ መምህር ብስብከት ዘገልግላ ቤተክርስቲያን 'ፎርስኴር' ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ'ውን፡ ነዚ ዘይእዱብ ጾታዊ ምጥቃዕቲ ይቕረ ከም ዘይትብሎ ብምግላጽ፡ ተግባራት ዶክተር ቦኒፌስ ነታ ቤተክርስቲያን ዝውክሉ ከም ዘይኮኑ ሓቢራ።

እዚ ቢቢሲ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲታት ናይጄሪያን ጋናን ዘካየዶ መርመራዊ ሰነድ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ሓደ ዓመት ዝወሰደ'ዩ።

ዩኒቨርሲቲ ሌጎስ፡ ንዝኾነ ዓይነት ጾታዊ መጥቃዕቲ ዝጻወር ፖሊሲ የብለይን ብምባል፡ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ከም ዝፍጽም መረዳእታ ዝቐርበሎም ሰራሕተኛታተይ ክሰጉግ'የ ኢሉ።

ዩኒቨርሲቲ ጋና ግን፡ ዝኾነ ሰራሕተኛ ይኹን ተመሃሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ኣይርከብን እንክትብል፤ ብቐጻሊ ጉዳይ እቶም እቲ ሰነዳዊ ፊልም ዘቃልዖም ሰባት ከም ዘጻሪ ገሊጹ።

መምህር ዩኒቨርሲቲ ሌጎስ ዶክተር ቦኒፌስ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።