ፌዴራሊዝም ስርዓት ምድሓንዶ ዋላስ ሓድሽ ስልቲ ቃልሲ?

ጉዳይ ፌደራሊዝምን ሕገ መንግስቲን ኢትዮጵያ፡ ምኽንያት ምትእኽኻብ ከተማ መቐለ ዘአንገደቶም ፖለቲከኛታትን ሙሁራትን ነይሩ።

እዞም ንክልተ መዓልታት ብሓባር ኮፍ ኢሎም ሓሳባቶም ክለዋወጡ ዝቐነዩ ተኣከብቲ ድማ፡ "ሓይልታት ፌደራሊስት" ዝብል መጸውዒ ተዋሂቡዎም።

ንልዕሊ ክልተ ዓሰርታት ዓመታት ኢትዮጵያ እትመሓደረሉ ዘላ ስርዓት ፌደራሊዝም፡ ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ብምኻኑ ንምክፍፋል ብሄር ብሄረሰባት ምኽንያት'ዩ እናተብሃለ ዝንቀፍን ክሳብ ሕጂ ድማ ዘካትዕ ዛዕባ ፖለቲከኛታትን ጎስጎስቲ ፖለቲካን'ዩ።

እንተኾነ፡ እዚ ስርዓት ንህልውና ኢትዮጵያ 'ኣማራጺ ዘይብሉ' ስርዓት እምበር ስግኣት ህልውና እታ ሃገር ኣይኮነን ኢሎም ዝካትዑ ሙሁራትን ሓይልታትን ኣለውዎ'ዮም።

ኣብዚ መንግስቲ ትግራይ ዝወደቦ መድረኽ 'ምድሓን ሕገ መንግስትን ፌደራሊዝምን' ዝተረኽበ ተመራማሪ ታሪኽ ኣቶ ገነነው ኣሰፋ ነዚ ሓሳብ ካብ ዝድግፉ ሰባት ሓደ'ዩ።

እቲ ንዝሓለፉ ልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ፌደራላዊ ስርዓት፡ "ብዙሓት ጎንጽታት ኣተዓሪቑልና'ዩ፤ ዝተፈላለና ብሄር ብሄረሰባት ስለ ዝኾንና ድማ ብሓደ ከንብረና ዝኽእል ፖለቲካዊ ስርዓት እዚ'ዩ" ኢሉ።

እዚ ስርዓት ኣብ ሓደጋ እንተወዲቑ ንሕና'ውን ኣብ ሓደጋ ክንወድቕ ኢና ዝብል እምነት ዘለዎ ኣቶ ገነነው፡ ምኽንያት እቶም ሕጂ ዝርኣዩ ዘለው ፖለቲካዊ ቅልውላዋት፣ ምዝንባላትን ጸገማት ሃገራዊ ምርድዳእን ክኸውን ከም ዘይኽእል ይዛረብ።

"አቲ ኣብ ብሄር ዝተመስረተ ስርዓት'ዩ ናብዚ ኹሉ መዓት ኣእቲዩና ዝብሉ ኣለው፡ ኣነ ኣይቅበሎን። እኳ ድኣ ፓለቲካዊ ቅልውላው'ዩ ናብዚ ኣእትዩና'የ" ይብል።

ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ባይቶና ዓባይ ትግራይ ኣቶ ክንፈ ገብረዮውሃንስ፡ እዚ ንህልውና ሃገር ኣገዳሲ'ዩ ኢሎም ዝኣምንሉ ስርዓት ፌደራሊዝም ኣብ ሓደጋ ወዲቑ'ዩ ዘሎ ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።

ሓቢርካ ንምንባር ይኹን ብሰላምን ንምፍልላይ ሕግን ስርዓትን ክህሉ ኣለዎ ዝበለ ኣቶ ክንፈ፡ "ሕዚ ግን እቲ ሕገ መንግስቲ ኮነ ፌደራላዊ ስርዓት ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ'ዩ በጺሑ ዘሎ" ኢሉ።

ብምኻኑ ድማ እዚ እዋን ኣድላይነት ስርዓት ፌደራሊዝም ዝዝተየሉ ዘይኮነ ተግባራዊ ስራሕቲ ምድሓን ስርዓት ዝእተወሉ ክኸውን ምተገብአ ይብል።

ኢትዮጵያ ግን ካብዚ ኣትያቶ ዘላ ፖለቲካዊ ምክፍፋላት፣ ጥሕሰት ሕግን ማሕበረ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ክትወጽእ ድያ? . . .

መፍትሒ እቶም ፖለቲካዊ ሕልኽላኻትከ እንታይ'ዩ? ብኸመይ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ቅልውላው ክትወጽእ ትኽእል? መዓዝ? ዝብሉ ሕቶታት፡ ኩሉ ክፋል ሕብረሰተብ ዘልዕሎም ካብ ዝኾኑ ውዒሎም ሓዲሮም።

ድሕሪ ሕጂ ስርዓት ብምፍራስ ወይ'ውን ብምቕያር ዝመጽእ ለውጢ ከም ዘይህሉ ዝዛረብ ተመራማሪ ታሪኽ ኣቶ ገነነው፡ ብኹሉ ዝለዓሉ ሕቶታት ብመሪሕነት ዝምለሱን ዝዕረዩን ምኻኖም ይዛረብ።

ሕዚ ካሊእ ኣወቓቕራ ስርዓት ኣማራጺ ክኸውን ኣይኽእልን ዝብል ኣቶ ገነነው፡ "ዓበይቲ ጎንጺታት ኣወጊዱ ናብ ልምዓት ዘእተወና ፌደራላዊ ስርዓት'ዩ። ብሄረሰባት ተመሊሰን ኣብ ትሕቲ ሓደ መንግስቲ፣ ባህሊ ወይ ሃይማኖት ይኹና እንተተባሂሉ ኩሉ ሰብ ልቡ ይፈልጦ እዩ፤ ናብ ድሕሪት ዝምለስ ኣይኽህሉን" ክብል ንኣድላይነት እቲ ስርዓት የብርህ።

ንቕድሚት፡ ኣብ ኢትዮጵያ 'ኣሃዳዊ ስርዓት' ዳግም ከም ኣማረጺ ኮይኑ ክመጽእ ከም ዝኽእል ዘመላኽቱ ኣካይዳታት ኣለው ኢሎም ዘልዕሉ ወገናት'ውን ኣለው።

እንተኾነ፡ ንህንጸት ከምዚ ዓይነት ስርዓት ድርኺት ክኾነና ዝኽእል ነገር ስለ ዘየሎ፡ "ናብ ዝኸፍአ ጭቕጭቕ'ዩ ክወስደና" ብምባል'ዩ ኣቶ ገነነው ነቲ ስግኣት ዝነጽጎ።

ሕጂ፡ ሕገመንግስትን ፌደራሊዝምን ምድሓን ማለት ዓርስኻ ምድሓን ማለት'ዩ ዝብል ኣባል ባይቶና ኣቶ ክንፈ ድማ፡ ዘለው ስግኣታት ንምውጋድ ባይቶ ናይቲ ፌደራሊስት ሓይሊ ክጣየስ ኣለዎ ይብል።

"እቲ ሕዚ መሪሕነት ሒዙ ዘሎ ሓይሊ ሕገ መንግስቲ ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ጥሒሱዎ'ዩ፤ ቐጺሉ ክመጽእ ዝኽእል እቲ ፌደራላዊ ስርዓት ናብቲ ዝደልዮ ኣወቓቕራ ምውሳድ'ዩ። እዚ ንምምካት ድሕሪ ሕዚ ናይዚ ፌደራሊስት ሓይሊ ባይቶ ክጣየስ ኣለዎ"።

እዞም 'ፌደራሊስት ሓይልታት' እዝን ካልእ ድማር ስግኣታት ናብ ሓደ መድረኽ ከም ዘምጽኦም ይገልጹ።

ተሳተፍቲ ዘይኮኑ ፖለቲካዊ ውድባትከ?

ዓረና ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ትግራይ እንርከብ ሓቀኛታት ውድባት ፖለቲካ ኣይተጸዋዕናን፤ ኣይተሳተፍናን ዝበለ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ሰልፊ ዓረና ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሰ'ዩ።

"ዘይተጸዋዕናሉ ምኽንያት ሓይልታት ፌደራሊስት ስለ ዘይኮንና ዘይኮነ፡ ደገፍቶም ዝኾኑ ሓይልታት ጥራሕ'ዮም ጸዊዖም። እቶም ዝመጽኡ'ውን እንተኾኑ ፕሮግራሞም ፌደራሊስት ዘይኮነ ብፍቓድ ህወሓት ፈሪሶም ዝተወደቡ ደገፍቲ ህወሓት ዝኾኑ ሰልፊታት'ዮም" ኢሉ።

ገዛኢ ግንባር ኢህወደግ ፈሪሱ ብልጽግና ፓርቲ ብዝብል ሓድሽ ኣወዳድባ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ነዚ ዘይተቐበለ ልፍንቲ እቲ ግንባር ዝነበረ ህወሓት ዝነበሮ ስም ሒዙ እንትተርፍ ካልእ ናይ ቃልሲ ሜላ የናዲ ምህላዉ ዘመላኽት መድረኽ'ዩ ብምባል ድማ ይነቕፎ።

"ህወሓት ካልኦት ንምፍርራሕ ይጠቕመኒ'ዩ ዝበሎ 'ፌደራሊዝም' ተጣሒሱ ኣሃዳዊነት ይመጽእ ኣሎ፣ ስለ ዝኾነ መላኺ ስርዓት ክመጽእ'ዩ ዝብል ነገር'ዩ ዘሰጉም ዘሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ካልእ ዝሓሸ ተቐባልነት ኣለዎ ኢሉ ዝሓሰቦ ናይ ቃልሲ ስልቲ ስለ ዘይብሉ እዩ" ብምባል ንኣድላይነት እቲ መድረኽ ይሙግት።

ሓላፊ ሊግ መናእሰይ ኦፌኮ [ኦሮሞ ፈዴራሊስት ኮንግረሰ] ኣዲሱ ቡላላ ብወገኑ፡ "እቲ ዕድመ ዘቕረበ ህወሓትን ናትና ፕሮግራምን ዝመሳሰል'ኳ እንተኾነ ዝመሳሰል ታሪኽ ግን ስለ ዘይብልና ኣይተሳተፍናን" ኢሉ።

ብምቅጻል "ሓይሎም ንምጥንኻር ዝጸውዕዎ እምበር ብልክዕ ንፌደራሊዝም ተሓሊቖም፡ ንመሰላት ብሄረሰባት ተጣቢቖም ኣይኮነን" ዝብል ርኢይቶ ሂቡ።

ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ሰልፊ ኦነግ ኣቶ ቶሌራ ኣደባ፡ ናብ ከምዚ ዝበለ ኣኼባ ቅድሚ ምእታውና ምስኣቶም ክነዘራረበሉ ዝግበኣና ጉዳይ ኣሎ ብምባል ንዕድመ እቲ ኣዳላዊ ኣካል ከም ዘይተቐበሉዎ ተዛሪቡ።

"ንህዝቢ ኦሮሞ ዝጎድኡ፣ ኣባላት ኦነግ ዘጥፍኡን ነቲ ውድብ ዝጎድኡን'ዮም። ሕጂ ብዘሎ ኩነታት ምስኦም ኣኼባ ምክያድ ከም ዘየድለየና ስለ ዝኣመንና ኢና ተሪፍና፤ ምስ ህወሓት ድማ ዝኾነ ዓይነት ርክብ የብልናን" ኢሉ።

ጉዳይ ፓርቲ ብልጽግና

ትማሊ፡ ወግዓዊ ናይ ፌስቡክ ገጽ ኢህወደግ ብልጽግና ፓርቲ ኣፍልጦ ንክወሃቦ ናብ ቦርድ ሃገራዊ ምርጫ ሕቶ ከም ዘቕረበ ገሊጹ።

ኣብ ቀረባ ውህደት ዝፈጸሙ ልፍንቲ እቲ ግንባር ዝነበሩን መሓዙት ውድባት ኮይኖም ዝጸንሑን ሰልፊታት፡ እቲ ቦርድ ኣካል እዚ ውህደት ንዝኾኑ ፖለቲካዊ ሰልፊታት ቅድም ኢሉ ሂቡዎም ዝነበረ ናይ ምዝገባ ወረቐት ምስክር ሰሪዙ ብውህደት ዝተመስረተ 'ፒፒ' ክምዝገብን ኣፍልጦ ክህቦን ዘኽእሎ ሰነዳት ናብቲ ቦርድ ከም ዘቕረበ'ውን ሓቢሩ።

ተጋባእቲ እቲ ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ነቲ ሕገመንግስትን ፌደራላዊ ስርዓትን ንሕለቕ ኢና ዝበሉ ፖለቲከኛታት፣ ሙሁራትን መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ድማ ትማሊ ኣማስዮም ኣብ ዘውጽኡዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ብጉልባብ ውህደት ናብ ኣረጊት ስርዓት ንምምላስ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ሕጋውነት እቲ ሓድሽ ሰልፊ ሕቶ ዘልዕሉ ኣለው። ተመራማሪ ታሪክ ኣቶ ገነነው ኣሰፋ ግን ሰባት ፓርቲ ብልጽግና፡ 'ሕጋዊ መሪሕ ኣይኮነን' ይበሉ'ምበር፡ እዚ ጉዳይ ብቐንዱ ንኣባላት ኢህወደግ ዝምለከት'ዩ ኢሉ።

ንህዝቢ ዝምልከቱ ብፌደሬሽንን ብባይቶ ወከልቲ ህዝብን ዝወጽኡ ሕግታት ከም ዝኾኑ ዝገልጽ ኣቶ ገነነው፡ "ልምዓትን መዓርነት ብሄራትን ክነረጋግጽ ኢና ስለ ዝበሉ ኢና መሪጽናዮም፤ እዚ እንተዘይገይሮም ኢና ንሓቶም፤ ናይ ፓርቲ ንዓና ኣይምልከትን" ይብል።

"ብዛዕባ ሕጋውነት እቲ ውድብ፡ ብዙሕ ከካትዐና ኣይግባእን፤ ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና? ኣብ ዝብል ስግኣት ግን ክንዛተ ኣለና፤ ኩሉ ብሓባር ተራኺቡ ክዛተ ክኽእል ኣለዎ" ብምባል፤ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ግንቦት ክካየድ ዝሕሰብ ሃገራዊ ምርጫ ንፖለቲካዊ ሕቶታት ኢትዮጵያ ክምልስ ከም ዝኽእል ትጽቢቱ ገሊጹ።

ተመራማሪ ታሪኽ ኣቶ ገነነው ኣሰፋ፡ ፓርቲ ብልጽግና፡ ፌደራሊዝም ኣጠናኺሩ ከም ዝቕጽል ኣብ 'ፕሮግራሙ' ምቕማጡ ዝነኣድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "መሰረታዊ መሰላት ብሄረሰባት ብዘይሸራርፍ መገዲ ዘፈጽም እንተዘይኮይኑ ግን ናብ ዝኸፍአ ናዕቢ ክንኣቱ ኢና ዝብል ስግኣት ኣለኒ" ኢሉ።