ንሓለቕኣ ኣብ መረጻ ዝሰዓረት ናይ ጽርየት ሰራሕተኛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ማሪና ንኣርባዕተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ፖቫሊኪኖ ሩስያ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ቤት ምኽሪ እናኾስተረትን እናነገፈትን ሰራሕተኛ ጽርየት ኮይና ኣገልጊላ።
ኣብዚ እዋን እዛ ጓል 35 ዓመት፡ መኾስተራ ኣቐሚጣ ኣብቲ ናይ ሓለቕኣ ዝነበረ መንበር ኮፍ ክትብል በቒዓላ። ናብዚ ክትበቅዕ ዝኸኣለት ድማ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ከባቢኣዊ መረጻ ክትዕወት ምኽኣላ'ዩ።
ኣሓለቕኣ ዝወዳደሮ ካልእ ተወዳዳሪ ክምዝገብ ብዘይምኽኣሉን ኣብቲ መረጻ ድማ እንተወሓደ ክልተ ሕጹያት ክቐርቡ ግድን ስለዝኾነ ንማሪና ሓደ ሓሳብ የቕርበላ።
ንሱ፡ ኣብቲ ውድድር ክትምዝገብን ከም ተቓዋሚቱ ኮይና ክትወዳደርን'ዩ ሓቲትዋ። ስለዘእመና ድማ ንሓሳቡ ተቐቢላቶ።
ፍጻመ ናይቲ መረጻ ግን ከምቲ ዝሓሰቦ ኣይኮነሉን። ነገራት ተቐያይሩ ማሪና ብዝለዓለ ድምጺ ኣብቲ መረጻ ተዓዊታ።
"ኒኮላይ ዋላ ሓደ ሰብ ንማሪና ክመርጻ ከምዘይክእልን ንሱ ኣብ መዝነቱ ከምዝጸንሕን'ዩ ሓሲቡ ነይሩ። ህዝቢ ግን ብብዝሒ ናብቲ መረጻ ከቲቱ ንማሪና ድምጹ ሂቡ" ክብል ኣባል ኮሚሽን መረጻ እቲ ከባቢ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሓንቲ ስማ ክግለጽ ዘይደለየት ሰበይቲ ድማ "ንሱ ብጣዕሚ ክግረም ከሎ ንሳ ድማ ኣስደሚምዋ" ክትብል እናሰሓቐት ርእይቶ ሂባ።
ኒኮላይ ሎክቴቭ ንማሪና ኣብ መረጻ ንኽትሳተፍ ክሓታ ከሎ ብእዝና ከምዝሰምዐት'ውን ኣዘኻኺራ።
ኣብ መረጻ ንዝረኸበቶ ዓወት ስዒቡ ዛዕባ መራኸቢ ብዙሃን ዝኾነት ማሪና ብዝድወለላ ስልክታት እናተጨናነቐት'ያ።
ንሳ ነቶም ብብዝሒ ዝድወሉላ ስልክታት ንዘይምልዓልን ብዛዕባ ባዕላ ንዘይምዝራብን እንተመረጸት'ኳ፤ ኣብዚ ሰሙን ግን ስነስርዓት ርኽክብ ስልጣን ከምዝካየድ ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብ ሓደ ኣቀዲማ ዝገበረቶ ቃል መሕትት ግን ብዝረኸበቶ ዓወት ተገሪማ፤ ናብዚ ዕብየት ከምእትበጽሕ "ዘይተዳለወት" ናይ "ሓሶት" ሕጽይቲ ክትብል ንነብሳ ገሊጻ ነይራ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







