ተመሪዙ ዝነበረ ተቓዋሚ ፑቲን ናብ ሩስያ ክምለስ እዩ

ኣሌክሰይ ናቫንሊ ኣብ ሕክምና

ምንጪ ስእሊ, IMAGE COPYRIGHT@NAVALNY

ብምኽንያት ምምራዝ ኣብ ጀርመን ኣብ ሕክምና ዝጸንሐ መራሒ ተቓዋሚ ወገን ሩስያ ኣሌክሰይ ናቫንሊ ናብ ሃገሩ ክምለም ምዃኑ ወሃቢት ቃሉ ገሊጻ፡፡

ድሕሪ ምምራዙ ንፈለማ እዋን ኣብ ኢንስታግራም ፎቶ ዝጠቀዐ ናቫንሊ ብዘይ ሓገዝ ናይ መተንፈሲ መሳርሒ ምትንፋስ ከምዝኸኣለ ሓቢሩ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ 20 ነሓሰ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ጉዕዞ እናሃለወ ኣብ ውሽጢ ነፋሪት ውንኡ ዝሰሓተ ናቫንሊ፡ ኖቪቾክ ብዝተብሃለ ባእታ ከምዝተመረዘ ይግለጽ፡፡

ንሕክምና ናብ ጀርመን ዝተወሰደ ናቫንሊ፡ ደገፍቱ ብትእዛዝ ፕርዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከምዝተመረዘ እዮም ዝኸሱ፡፡

መንግስቲ ሩሰያ ግን ነቲ ክሲ ኣይወዓልኩዎን ብምባል ይነጽጎ፡፡

ጋዜጠኛታት ናቫንሊ ናብ ሩስያ ክምለስ እዩ ዝብል ሓበሬታ ሓቂ ምዃኑ ክተረጋግጸሎም እናሓተትዋ ከምዘርፈዱ ዝገለጸት ወሃቢት ቃል ኣሌክሰይ ናቫንሊ ዝኾነት ኪራ ያርሚሽ፡ ሰባት ክምለስ ምዃኑ ምጥርጣሮም ከምዘገረማ ኣብ ትዊተር ተዛሪባ፡፡

ናቫንሊ ደሓን ከምዘሎን ባዕሉ ምትንፋስ ከምዝጀመረን ኣብ ኢንስታግራም ምስሓገለጸ እዩ ክምለስ ምዃኑ ዝገልጽ ሓበሬታ ወጺኡ ዘሎ፡፡

እቲ ናቫንሊ ግልጋሎት ሕክምና ዝረኽበሉ ዘሎ ሆስፒታል ብፖሊስ ይሕሎ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ፡፡

ብካልእ ገጽ መንግስቲ ሩስያ፡ ኣሌሰይ ናቫንሊ ምስሓወየ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ክራኸቡ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ኣድላዪ ኣይኮነን ብምባል ከምዘይራኸቡ ገሊጹ ኣሎ፡፡