ዝተመረዘ ሩስያዊ ፖለቲከኛ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ስጉምቲ ክወስድ ጀርመን ጸዊዓ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ምስ ምምራዝ ቀንዲ ተቓዋሚ ሩስያዊ ፖለቲከኛ ኣለክሰይ ናቫልኒ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ስጉምቲ ክወስድ እንተዘይኪኢሉ፡ ኣገዳስነቱ ከምዝስእን ሓደ ላዕለዋይ ኣባል ፓርላማ ጀርመን ተዛሪቡ።
ቀንዲ መሻርኽቲ መራሒት ጀርመን፡ ቻንስለር ኣንገላ መርከል ምዃኑ ዝንገረሉ፡ ኣቦመንበር ኮሚተ ጉዳያት ወጻኢ ፓርላማ ዝኾነ ኖርበርት ሮትገን፡ እቲ ጀርመን ምስ ሩስያ ዘለዋ ናይ ጋዝ ውዕል ዳግመ-ግምት ክግበረሉ ኣለዎ ኢሉ'ሎ።
እቲ ኣብ ጀርመን ሕክምናዊ ክንክን ዝግበረሉ ዘሎ ሩስያዊ፡ ብኖቪቾክ ዝተባህለ መርዛም ጋዝ ከም ዝተሰመመ ድሕሪ ምርግጋጹ፡ መንግስቲ ሩስያ ካብ ብዙሓት ወገናት ኩነኔ ክበጽሖ ቀንዩ።
ንሱ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ብጽኑዕ ሓሚሙ ኣብ ከተማ በርሊን ኣብ ዝርከብ ቻሪተ ሆስፒታል ይእለ ኣሎ።
ብጾቱ፡ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከምዝተመረዘ'ኳ እንተገለጹ፡ መንግስቲ ሩስያ ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ'ሎ።
ኖቪቾክ፡ ኣዝዩ መርዛም፡ ናይ ወታሃደራዊ ኣጽዋር መጠን ዘለዎ ብምዃኑ፡ ኣብ ኢድ መንግስታት ጥራይ ከምዝርከብ ኪኢላታት ይእምቱ።
ላዕለዎት ጀርመናውያን ኪኢላታት ሕክምና፡ በቲ ባእታ ከም ዝተመረዘ "ዘየወላውል ጭብጢ" ከም ዝረኸቡ ገሊጾም።
ኣባል ባይቶ ሮትገን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ተሪር ግብረመልሲ ክህብ'ዩ ዝጽውዕ።
"ሕጂ'ውን ዳግማይ፡ እቲ ናይ ሰብ ክብረት ዘይብሉ ስርዓት ፑቲን ገጢሙና ኣሎ" ክብል ንመንግስታዊ ማዕከን ዜና ጀርመን ተዛሪቡ።
ፕረዚደንት ፑቲን፡ ሓይሊ ሩስያ ኣብ ሊብያ፡ ሶርያን ቤላሩስን ከምዘርኣየ ብምግላጽ፡ "እቲ ሕቶ፡ ኣውሮጳውያን ኩሉ ሳዕ ድዮም ትም ክብሉ? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ትርጉም ኣይክህልወናን'ዩ፡ ዕቱባት ገይሩ ዝርእየና'ውን ኣይክህሉን'ዩ" ኢሉ።
ሩስያ ብወገና፡ እቲ ጀርመናውያን ኪኢላታት ኣረጋጊጾሞ ዝበሃል ዘሎ ጭብጢ ከምዘይራኣየቶ ብምጥቃስ፡ ነቲ መርመራ ነጺጋቶ ኣላ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ሕብረት ኣውሮጳ ቻርለስ ሚሸል፡ ዋና-ጸሓፊ ወታሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ን ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣመሪካን ነቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያዊ ፖለቲከኛ ዝተኻየደ ስነቀመማዊ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ ግሉጽ ምጽራይ ክግበር ጸዊዖም።
ኣብ 2018 ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣባል ስለያ ሩስያ ነበር ሰርገይ ስክሪፓል ኣብ ብሪጣንያ ብኖቪቾክ ክትቀትሎ ከም ዝፈተነት ብሪጣንያ ከሲሳ ነይራ። ሽዑ'ውን 20 ሃገራት ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ሰጒገን ነይረን።
ኪኢላታት ሕክምና ጀርመን፡ ኣለክሰይ ናቫልኒ፡ ክሓዊ ምዃኑ ትጽቢት'ኳ እንተለዎም፡ ንነዊሕ ዝጸንሕ ሳዕቤናት ክስከም ምዃኑ ግን ኣይሓብኡን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







