ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ትማሊ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ ኮቪድ-19 ተመዝጊቡ ይብል

ውድብ ዕጥና ዓላም፡ ትማሊ ዝለዓለ መጥን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ ይብል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ዝለዓለ ሓዲሽ መልከፍቲ ከም ዝተመዝገበ ገሊጹ።

እቲ ብዝሒ መልከፍቲ 307,930 ኮይኑ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክንድ'ዚ ቁጽሪ ተመዝጊቡ ኣይፈልጥን’ዩ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ሞት 5500 ሰባት ስለ ዝተመዝገበ ንጠቕላላ ቁጽሪ ምውታት ናብ 917,417 ክብ ከም ዝበለ ገሊጹ።

ትማሊ እቲ ዝበዝሐ ሓዲሽ መልከፍቲ ኣብ ህንዲ፣ ብራዚልን ኣሜሪካን’ዩ ተመዝጊቡ።

ብደረጃ ዓለም ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 28 ሚልዮን ክበጽሕ እንከሎ ካብዚኦም እቶም ፍርቆም ካብ ሰሜንን ደቡብን ኣሜሪካ’ዮም።

ቅድሚ ሕጂ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ሓዲሽ መልከፍቲ ተመዝጊቡላ ዝነበረት መዓልቲ 6 መስከረም ኮይና ኣብታ ዕለት 306,857’ዩ ተመዝጊቡ ነይሩ።

ብመሰረት ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ህንዲ 94 ሽሕን 372፣ ኣሜሪካ 45 ሽሕን 523 ከምኡ’ውን ብራዚል 43 ሽሕን 718 ሓዲሽ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣመዝጊበን።

ከምኡ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ህንድን ኣሜሪካን ልዕሊ 1000 ሞት ክምዝገብ እንከሎ ብራዚል ድማ 874 ሞት ኣመዝጊባ።

ብደረጃ ዓለም ኣሜሪካ፡ ህንድን ብራዚልን ብቅደም ተኸተል ዝበዝሐ ቁጽሪ መልከፍቲ ኣመዝጊበን ዘለዋ ሃገራት’የን።

ኣብ ካልኦት ሃገራትከ መጠን መልከፍቲ ከመይ ኣሎ?

ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ’ውን መጠን ሓዲሽ መልከፍቲ ይውስኽ ስለዘሎ፡ ደግሲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከየጋጥም ስግኣት ኣሎ።

ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ ኣብቲ ዝያዳ ለበዳ ይርኣየሉ’ሎ ዝበለኦ ከባቢታት ኣዋጃት ዕጽዋ የመሓላልፋ ኣለዋ።

ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩን ኣካላዊ ርሕቀት ከተግብሩ ዘገድድ ሕጊ’ውን ዳግማይ የተኣታትዋ ኣለዋ።

ኣብ ከም ሃገራት ፔሩ፣ እስራኤል፣ ደቡብ ኮርያን ኣውስትራላያን ድማ ደግሲ ለባዳ ኮሮናቫይረስ ይርአ’ሎ።

ፖሊስ ኣውስትራልያ፡ ብሰንበት ኣብ ግዝኣት ቪክቶርያ ንኣዋጅ ዕጽዋ ክቃወሙ ካብ ዝወጽኡ ነቶም 70 ከም ዝኣሰሮም ገሊጹ ኣሎ።

ኣብቲ ንኣዋጅ ዕጽዋ ንምቅቃም ዝተገበረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣስታት 250 ሰባት’ዮም ተሳቲፎም።

ግዝኣት ቪክቶርያ ማእከል ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣውስትራልያ እያ ኮይና ዘላ።

ካብ ጠቅላላ ኣብ ኣውስትራልያ ዘሎ መጠን መልከፍቲ 75 ሚእታዊት ካብ መጠን ሞት ድማ ነቲ 90 ሚእታዊት ኣብዛ ግዝኣት እዩ ተመዝጊቡ።

ኮሮና