ናቪድ ኣፍካሪ፡ ኢራን ንሻምፒዮን ነጻ ቅልስ ከይትርሽኖ ትራምፕ ተማሕጺኑ

ናቪድ ኣፍካሪ

ምንጪ ስእሊ, Twitter

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እቲ ቅድሚ 2 ዓመት ኣብ ሰልፊ ተቓውሞ ዝተሳተፈ ተወዳዳሪ ነጻ ቅልስ ዘሕለፈቶ ናይ ሞት ፍርዲ ክተልዕሎ ፀዊዑ።

ትራምፕ ትማሊ ሓሙስ ብመገዲ ትዊተር፡ "ንኢራናውያን መራሕቲ፡ ናይዚ መንእሰይ ሂወት እንተትምሕርዋን እንተዘይትርሽንዎን ኣዝየ እብህግ" ኢሉ።

ወዲ 27 ዓመት ናቪድ ኣፍካሪ፡ ኣብ ሺራዝ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ብቕትለት ሓለዋ ፀጥታ እዩ ንሞት ተፈሪዱ።

ይኹን'ምበር ናቪድ፡ ነቲ ቅትለት ከምዝፈፀመ ብምስቓይ ክኣምን ከምዝተገበረ እዩ ዝግለፅ።

ኣሕዋት ናቪድ፡ ቫሂድን ሃቢብብን እውን ብተመሳሳሊ ጉዳይ ን 54 ን ን 27 ዓመት ክእሰሩ ተፈሪዶም ከምዝነበሩ፡ ኣብ ኢራን ዝርከብ ሓደ ንጡፍ ተሓላቂ ሰብኣዊ መሰላት ይገልፅ።

ከም ፀብፃብ ፎክስ ኒውስ ድማ፡ ትራምፕ፡ "እዚ ተወዳዳሪ ነጻ ቅለስ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ንመንግስቲ እዩ ተቓዊሙ ነይሩ" ኢሉ።

ብዙሓት ዓለም-ለኻውያን ተቓለስትን ንጡፋትን'ውን፡ እቶም ኣሕዋት ክፍትሑን ኣብ ልዕሊ ኣፍካሪ ዝተወሰነ ብይን ሞት ምሕረት ክግበረሉን፡ ክታም ኣኪቦም ኣለዉ።

ተለቨዥን ኢራን ኣብ ናይ ትማሊ ፀብፃቡ፡ ናቪድ ኣፍካሪ ንሞት ከምዝተፈረደ ከሕብር እንከሎ፡ ካብቲ ቤት-ማእሰርቲ ሸሊኹ ዝወፀ ድምፂ ግን ኣፍካሪ ከምዘሳቐይዎ ይገልፅ።

ወላዲቱ ድማ፡ ደቃ ኣንፃር ሕድሕዶም ክምስክሩ ከምዝተገገደዱ ተዛሪባ።

ጠበቓ እቶም ኣሕዋት ሓሰን ዮነሲ ብወገኑ፡ ነቲ ቅትለት ዝተፈፀመሉ ኣጋጣሚ ዘርእይ ቪድዮ ከምዘየለን፡ እቲ ከም መረዳእታ ዝቕረበ እውን እቲ ገበን ቅድሚ ምፍፃሙ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ዝተወሰደ ምዃኑ ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ።

ኣብ 2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ኢራናውያን ሰልፈኛታት ብሰንኪ ቁጠባዊ ቅልውላውን ፖለቲካዊ መድቆስትን ናብ ጎደናታት ምውፅኦም ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን፡ ኢራናውያን ንወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ብምቅዋም ሰልፊ ኣካይዶም እዮም።