ኢራን ብኮሮናቫይረስ ዘጋጠማ ሞት ከምዝሓብአት ልሒኹ ዝወጽአ ሓበሬታ ኣቃሊዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢራን ቑጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት ሰለስተ ዕጽፊ ካብቲ መንግስቲ ዝብሎ ከም ዝኾነ፡ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ።
ክሳብ 20 ሓምለ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ 42 ሽሕ ሰባት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ከም ዝሞቱ ዘርኢ ጸብጻብ መንግስቲ'ኳ እንተሃለወ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ወግዓዊ ዝገበሮ ብዝሒ ግን 14 ሽሕን 405 እዩ።
ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት'ውን እንተኾነ ክልተ ዕጽፊ ካብቲ መንግስቲ ዝብሎ'ዩ። 451,024 እናሃለወ፡ መንግስቲ ግን 227,827 እዩ ዝብል።
ካብ ቻይና ወጻእ፡ ኢራን ካብተን ኣዝየን ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዓ ሃገራት እያ ነይራ።
ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ደግሲ ለበዳ እቲ ቫይረስ ክርኣይ እንከሎ፡ ቁጽሪ መልከፍቲ ሓፍ ኢሉ'ዩ።
ኣብ ኢራን፡ ብ22 ጥሪ 2020 ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከም ዝተመዝገበ፡ እቶም ናብ ቢቢሲ ዝተልኣኹ ሰነዳት ሕክምና የረጋግጹ።
እዚ ድማ፡ መንግስቲ ብወግዒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከም ዘሎ ቅድሚ ምእዋጁ ቅድሚ ሓደ ወርሒ'ዩ።
እቲ ለበዳ ኣብ ኢራን ካብ ዘጋጥም ኣትሒዙ፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ካብታ ሃገር ዝወጽእ ጸብጻብ ክጠራጠሩዎ ጸኒሖም።
ብደረጃ ሃገርን ክልልን ኣብ ዝቐርቡ ጸብጸባት ምንባብ ኣይነበረን። ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጠመ ሕጽረት ናይ ምምርማር ዓቕሚ ተደሚሩዎ ድማ፡ ሰብ መዚ ኢራን መዓልታዊ ኣዝዩ ዝተሓተ ቁጽሪ ሞት ይሕብሩ ምንባሮም እቲ ልሒኹ ናብ ቢቢሲ ዝበጽሐ ሰነድ የረድእ።
'ሓቂ እንትግሃድ'
እቲ ሰነድ፡ ብሚስጢራዊ ምንጪ እዩ ናብ ቢቢሲ ተላኢኹ።
እዚ ዝርዝር ኣብ መላእ ኢራን ናብ ዘለዋ ሆስፒታላት ዝመጽኡ ተሓከምቲ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ኣሽማት፣ ዕድመ፣ ጾታ፣ ምልክታት እቲ ሕማም፣ ዕለትን ብዝሒ ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሕሉ መዓልትን ከምኡ'ውን ሕዱር ሕማም እቶም ተሓከምቲ ዘካተተ እዩ።
እቲ ነዚ ሚስጢራዊ ሰነድ ንቢቢሲ ዘልሓዀ ምንጪ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ለበዳ ዘሎ "ፖለቲካዊ ጠላዕ" ኣብቂዑ "ሓቂ ንክግሃድ እየ ነዚ መሪጸ" ኢሉ።
እዚ ምንጪ፡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ኢራን ድዩ ወይ'ውን ከመይ ኣቢሉ ነዚ መረዳእታ ክረክብ ክኢሉ ዝብል ከረጋግጽ'ኳ እንተዘይክኣለ፡ ኣብቲ ሰነድ ዘለው ዝርዝር ካብቲ ቫይረስ ዝሓወዩን ዝሞቱን ግን ከረጋግጽ ክኢሉ'ዩ።
ኣብ ሞንጎ እቲ መንግስቲ ዝብሎ ቁጽርን ብዝሒ ኣብቲ ሰነድ ዘሎ ቁጽሪ ምዉታትን'ውን ምስቲ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ መንግስቲ ዝህቦ ዝነበረ ሓበሬታ ዝሳነ እዩ።
እቲ 'ሚስጢራዊ' ሰነድ እንታይ'ዩ ዝብል?
ኣብ ቴህራን 8 ሽሕን 120 ሰባት ብቐጥታ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስን ምስኡ ብዝተኣሳሰር ሕማምን ሞይቶም'ዮም።
ኣብታ ሃገር እቲ ዝለዓለ መጠን ሞት ዝተመዝገባ ከተማ ክትኸውን እንከላ፡ ማእከል እቲ ለበዳ ዝነበረት ከተማ 'ቆም' ድማ 1419 ሞት ኣመዝጊባ።
ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዘጋጠመ ሞት፡ እቶም 1916 ሰባት፡ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ከም ዝኾኑ'ውን ይፍለጥ።
እዚ ድማ፡ መብዛሕትኦም ካብ ኣፍጋኒስታን ዝኾኑ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዕቑባን ዘሎ ልዑል መጠን ሞት ከም የርኢ።
ኣብ መጠን ኣፈላላይ ዋላ'ኳ እንተሃለወ፡ ሓፈሸሻዊ ኩነታት ኮሮናቫይረስ ኢራን ግን ኣብ'ቲ ልሒኹ ዝወጽአ ሰነድን፡ ኣብ'ቲ ናይ መንግስቲ ጸብጻባትን ተመሳሰልቲ እዮም።
እቲ ናይ መጀመርታ መጠን ሞት ክውስኽ ዘርኢ ጸብጻብ፡ ምስ'ቲ ሚኒስትሪ ጥዕና ዝብሎ ብመጠን ኣይራኸብን፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት ሓሙሽተ ዕጽፊ እቲ መንግስቲ ዝብሎ'ዩ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዝነበረ ሰሙናት ሓድሽ ዓመት ኢራን ኣዋጅ ዕጽዋ እንትእወጅ፡ ብዝሒ ሞትን መልከፍትን ክንኪ ተራእዩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቶም ስጉምታት ክፎኽሱ ምስ ጀመሩ ግን፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝምዝገብ መጠን ሞትን መልከፍትን ወሲኹ።
ኣብቲ ናብ ቢቢሲ ዝተላእኸ ሰነድ፡ ፈላማይ ሞት ብ22 ጥሪ ከም ዝተመዝገበ እንትጥቀስ፡ እዚ ኢራን ብወግዒ በቲ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ ከም ዘሎ ቅድሚ ምግላጻ ኣብ ዘሎ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዩ።
ኣብቲ እዋን ሰብ መዚ ጥዕና ኣብታ ሃገር መልከፍቲ ዋላ ሓደ ሰብ ከም ዘየጋጠመ እዮም ዝገልጹ ነይሮም፤ ንሰብ ሞያ ጥዕና'ውን መጠንቀቕታ ይህቡ ነይሮም።
ክሳብ መንግስቲ ወግዓዊ መግለጺ ዝህብ ኣብ ዘለዋ 28 መዓልታት ግን፡ ድሮ 52 ሰባት ሞይቶም ነይሮም።
መናፍሕ ሓቂ
ምስዚ ጉዳይ ቀጥታዊ ፍልጠት ዘለዎም ዶኳትር ንቢቢሲ ከም ዝበሉዎ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢራን ካብ ሓይልታት ጸጥታን ኣብታ ሃገር ዘለው ሰብ መዚ ስለያን ጸቕጢ ይበጽሖ ነይሩ'ዩ።
ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ዶክተር፡ "እቲ ሚኒስትሪ ነቲ ሓቂ ይክሕዶ'ዩ" ነይሩ ኢሉ።
"መጀመርታ መመርመሪ ኣቑሑት ኣይነበሮምን፤ ምስተረኸበ'ውን ብሰፊሑ ኣብ ጥቅሚ ኣይውዓለን። ኣብ ኢራን ኮሮናቫይረስ ምህላው ንምእማን ዘፍቅድ ኣገልግሎት ድሕነት'ውን ኣይነበረን" ኢሉ።
እንተኾነ፡ ክልተ ኣብ ከተማ ቆም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣሕዋት ዶኳትር ኣትሪሮም ጸቕጢ ብምሕዳሮም፡ ሚኒስትሪ ጥዕና በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከም ዘሎ ተኣሚኑ።
ሓዎም ብሞት ዝስኣኑ ዶክተር መሓመድ ሞላይን ዶክተር ዓሊ ሞላይን መርመራ ኮሮናቫይረስ ክግበረሉ ኣለዎ ብምባሎም፡ ኣብ ኣስክሬን ብዝተገብረ መርመራ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኸፈ ተረጋጊጹ።
ኣብቲ ንሱ ዝሞተሉ ሆስፒታል ብዙሓት ሕሙማት ናብ ምልክታት ኮቪድ-19 ዝጽግዑ ምልክታት የርእዩ'ኳ እንተነበሩ፡ ኩሎም ግን ካብ መልከፍቲ እቲ ቫይረስ ናጻ ነይሮም።
ዶክተር ሞላይ ናይ ሓው ቪድዮን መግለጺን ብማሕበራዊ ሚዲያ መልእክቲ እንተሕልፍ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ፈላማይ ሞት ከም ዝተመዝገበ ተኣሚኑ።
ሃገራዊ ማዕከን ዜና ኢራን ግን፡ እቲ ቪድዮ ሓደ ወርሒ ከም ዝሓለፎ ብምግላጽ ነቲ ዶክተር ካብ ምንቃፍ ወጻእ ብዛዕባ እዚ ሕማም ዝህቦ ሓበሬታ ኣይነበረን።
ስለምንታይ ክሕባእ ተደልዩ?
እቲ ለበዳ ዝጀመረሉ እዋን፡ ምስ ዓመታዊ ዝኽሪ እስላማዊ ሰውራ 1979ን ፓርላመንታዊ መረጻን ተደሪቡ።
እዚኦም፡ ኢራን ዓበይቲ ደገፋት እትረኽበሎም ኣጋጣሚታት ስለ ዝነበሩ ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ክተዓናቐፉ ኣይተደለየን።
ላዕለዋይ መራሒ ኣያቶላህ ዓሊ ካህመኒ፡ ነቲ ምርጫ ንምድኻም፡ እቲ ለበዳ ከም ምኽንያት ይጥቀሙ ኣለው ንዝበሎም ነቒፉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከይተኸሰተ እንከሎ፡ ኢራን ናይ ባዕላ ከበድቲ ቅልውላዋት ነይሮምዋ።
ብሕዳር 2018፡ መንግስቲ ዋጋ ነዳዲ ምስ ወሰኸ ናዕቢ ተጀሚሩ። ኣብ ውሑዳት መዓልታት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ናዕበኛታት ተቐቲሎም።
ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት ድማ፡ ጀነራል ቃሲም ሱሌማኒ ብኣሜሪካ ምስ ተቐተለ ኢራን ዝሃበቶ ግብረ መልሲ ከካልእ ጸገም ሒዙ መጺኡ።
ድሕሪኡ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኢራን ብጌጋ ኣብ ልዕሊ ነፋሪት ዩክሬን ሚሳይል ኣወንጪፎም። እታ ካብ ዓለማዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኢራን ምስ ተለዓለት ብዙሕ ደቓይቕ ዘይገበረት ነፋሪት ተሃሪማ ክትወድቕ እንከላ፡ ኩሎም ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 176 ሰባት ሞይቶም።
ሰበ ስልጣን ኢራን እንታይ ኣጋጢሙ ዝብል ክሸፋፍኑ ፈቲኖም'ኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ግን ብሚሳይል ሃሪሞም ከም ዘውደቑዋ ኣሚኖም።
ኣባል ባይቶ ዝነበረ ዶክተር ኑሮልዲን ፒርሞዜን፡ እዞም ኩሎም ነገራት ኣብ ዝተፈጠርሉ እዋን ኢራን ብኮሮናቫይረስ ክትጥቃዕ እንከላ፡ መንግስቲ "ሓቂ ንምቕባል ፈሪሑ" ነይሩ ይብል።
"መንግስቲ እቲ ድኻን ስራሕ ኣልቦን ዓመጽ ከካይድ ናብ ኣደባባያት ክወጽእ እዩ ዝብል ፍርሒ ነይሩዎ'ዩ" ኢሉ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣሜሪካ ካብ ስምምዕ ኒዩክሌር ከም ዝወጽአት ምስ ኣፍለጠት፡ ኣብ ልዕሊ አራን ዝተነበሩ እገዳታት ሰፍ ዘይብል ቁጠባዊ ሃሰያ ኣውሪዱላ እዩ።
እቲ ሽሙ ክርቋሕ ዘይደለየ ዶክተር ድማ፡ "ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኣሜሪካን ኢራንን ብዝህሉ ወጥሪ እቶም ነዛ ሃገር ናብዚ ዘብቅዑዋ ዘይኮኑ እቶም ድኻታትን ጽጉማት ተሓከምትን እዮም ተሰከምቲ እቲ ዕዳ ዝኾኑ ዘለው"ኢሉ።
ይኹን'ምበር፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢራን እቲ ናብ ትካል ጥዕና ዓለም ዘቕርቦ ጸብጻባት ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉን ዝሞቱን ሰባት "ተኣማኒ" ከምኡ'ውን "ምዝባዕ ዘይብሉ" እዩ ይብል።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







