ኒኩሌራዊ ስምምዕ ኢራን፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወጠነቶ እገዳ ብሕቡራት ሃገራት ተነጺጉ

ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኬሊ ክራፍት (ጸጋም)፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ (የማን) ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒውዮርክ 20 ነሓሰ 2020

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ፡ ኢራን ነቲ ስምምዕ ተፍርሶ ከም ዘላ ዝገልጽ ወግዓዊ ጥርዓን ብሓሙስ ኣቕሪቡ

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ 2015 ካብ ልዕሊ ኢራን ተላዒሉ ዝጸንሐ እገዳ ዳግም ምምላስ ዝብል፡ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ሓሳብ ነጺጉ።

ኣብዚ እዋን ነቲ ባይቶ ዝመርሕ ዘሎ ልኡኽ ኢንዶኔዥያ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣሜሪካ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብቲ ስምምዕ ብምንስሓባ፡ ካብተን 15 ኣባል ሃገራት እተን ዝበዝሓ ነቲ ሓሳብ ከም ዝነጸግኦ ተዛሪቡ።

ልኡኽ ኣሜሪካ ግና "ጸግኢ ግብረሽበራውያን ሒዘን" ክብል ከሲስወን።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብወገኑ፡ "ሕጊ ኣልቦነት" ንኣሜሪካ ናብ ተነጽሎ ከም ዘእተዋ ተዛሪቡ።

ባይቶ ጸጥታ ነቲ ኣብ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ ዘብቅዕ እገዳ ኣጽዋር ከናውሕ ብኣሜሪካ ንዝቐረበ እማመ ድሕሪ ምንጻጉ እዩ ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ እቲ ኣቐዲሙ ዝተላዕለ እገዳ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ዝብል ሓሳብ ኣንቂሉ።

ብመሰረት እቲ ኒኩለራዊ ስምምዕ፡ እተን ብፒ5+1 ዝፍለጣ ሓያላን ሃገራት- ቻይና፡ ፈረንሳ፡ ሩስያ፡ ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካን ጀርመንን - ኢራን ኒኩለራዊ ኣጽዋር ከም ዘይተማዕብል ዘርእይ ስጉምትታት ብምውሳዳ እቲ እገዳ ክለዓል ተሰማሚዐን።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኢራን ኒኩለራዊ ኣጽዋር ጨሪሳ ከም ዘይተማዕብልን ባሊስቲካዊ ሚሳይል ናይ ምምዕባል ንጥፈታታ ክተቋርጽ ንምስግዳድን ኣብ 2018 ካብቲ ስምምዕ ብምንስሓቡን ኣብ ልዕሊ ኢራን ቁጠባዊ እገዳታት ብምግባሩን እቲ ስምምዕ ዳርጋ ናብ ምፍራስ ተቓሊዑ ነይሩ።

ክሳብ ሕጂ ንእገዳታት ኣሜሪካ ትነጽግ ዘላ ኢራን፡ ካብቲ ኣትያቶ ዝነበረ መብጽኣታት ብርክት ዝበለ ኣንሳሒባ እያ። ሓደ ካብኡ ንጸዓት ከምኡውን ኒኩለራዊ ኣጽዋር ዘገልግል ዝተመሓየሸ ዩራንየም ዘይፍራይ ዝብል እዩ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማይክ ፖምፐዮ፡ ኢራን ነቲ ስምምዕ ተፍርሶ ከም ዘላ ዝገልጽ ወግዓዊ ጥርዓን ብምቕራብ፡ ካልኦት ኣባል ሃገራት ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን እገዳ ካብ ምግባር ዝኽልኽል እማመ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልቲ ከቕርቡ ሓቲቱ።

ንሱ ወሲኹ ብመሰረት እቲ ነቲ ስምምዕ ዘጽደቐ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ 2231፡ ኣሜሪካ ጌና ከም ኣባል እቲ ስምምዕ ስለ እትጥቀስ፡ ነቲ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ መሰል ከም ዘለዋ ኣስሚሩ።

እንተኾነ ግና እተን ሰለስተ ሓያላን ኣውሮጳ፡ ቻይና፡ ሩስያን ኢራንን ነቲ መርትዖ ነጺገንኦ።

ብሰሉስ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቨርቹዋል (ናይ ኢንተርነት) ኣኼባ ተወካሊ ኢንዶኔዥያ ዳያን ትራያንስያ ድጃን ንጻውዒት ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ "ባይቶ ጸጥታ ተወሳኺ ስጉምቲ ንምውሳድ ድልው ኣይኮነን" ኢሉ።