ኢራን፡ ንተምሳል ወተሃደራዊት መርከብ ኣሜሪካ ብሚሳኤል ሃሪማ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኢራን ኣብ ስተራተጂካዊ ቦታ ሃርሙዝ፡ ንሓንቲ ብኣምሳል ነፈርቲ ዝጽዕና ወተሃደራዊ መራኽብ ኣመሪካ ዝተሰርሐት 'መርከብ' ብሚሳኤል ከምዝሃረመታ ተገሊፁ።
እቲ ብሚሳኤል ዝተበስዐ ኣካል ናይታ ስንዕቲ መርከብ ባርዕ ስለዝፈጠረ፡ ኣሜሪካ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ክልተ መዓስከራታ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሕ ሓቢራ ኣላ።
ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ንተግባር ኢራን ብምኹናን፡ “ዘይሓላፍነታውን ዕቡድ ጠባያትን ኢራን” ብምባል፡ “ንታህዲድ ተባሂሉ ዝተገበረ’ዩ” ኢሉ።
እቲ ፍጻመ ወጥሪ ቴህራንን ዋሽንግተንን ኣብ ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣብ ጥርዚ ኣብ ዝበጽሓሉ እዩ ዘጋጥም ዘሎ።
እዚ ናይ ኢራን ወተሃደራዊ ልምምድ ‘ነብዪ መሓመድ 14’ ዝብል ስም ዝተውሃቦ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ብቀጥታ እዩ ተራእዩ።
እታ ተምሳል ነፈርቲ ዝጽዕና መራኽብ ዘለዋ መርከብ፡ ኣብ ዝባና ናይ ሓሶት ነፈርቲ ዘለዋኣ እያ።
ኢራን ነታ መርከብ ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈታት እያ ሚሳኤል ወንጪፋትላ።
ኢራን፡ ነዛ መርከብ ዋላ ካብ ሄሊኮፕተራት ኮይና’ያ ሚሳኤል ትውንጭፈላ ነይራ፡ ሓደ ጎኒ ናይታ መርከብ ድማ ብኸቢድ ተሃሪሙ።
ኣዛዚ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ሜጀር ጀነራል ሑሴን ሳልማኒ፡ ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ “እቲ ሎሚ ዝርኣናዮ፡ ብሓይሊ ባሕሪ ይኹን ብክልታት ኣየርና እንገብሮ ምክልኻል ቁጠዐ ዝተሓወሶ’ዩ ነይሩ” ኢሉ።
ኢራን ባላስቲክ ሚሳኤል ትጥቀም ከም ዘላ ኣሜሪካ ምስ ፈለጠት፡ ኣብ ቐጠርን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዝርከቡ ወተሃደራታ ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ኣዚዛ ኣላ።
ውሃቢት ቃል ኣብ ባሕሬን ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኮማንደር ረቤካ ሪባሪች “ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ ኣብ ምክልኻል ዘድሃበ፡ ናጽነት ምንቅስቃስ ባሕሪ ንከውሕስ እዩ ዝሰርሕ፡ ኢራን ግን ኣብ ምጥቃዕ ዘድሃበ ስጉምትታተ እያ ትወስድ ዘላ፡ ነዚ ከኣ ንታሃዲድ ኢላ እያ ትገብሮ ዘላ” ኢላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







