እገዳ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን፡ ተግባራዊ ክኸውን'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተራእዩ እገዳታት "ዝሓየለ" ዝተብሃለ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኢራን፡ ሎሚ ተግባራዊ ክትገብር'ያ። እቲ እገዳ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ኣሎ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ 2015 ብዝተበጽሐ ስምምዕ ኑክለር፡ ተላዒሉ ዝጸንሐ እገዳታት ብምልኡ ክመልሶ ኢዩ።
እዚ እገዳ፡ ንሰደድ ነዳዲ፡ መጉዓዝያ ባህሪ፡ ባንክታትን ቀንዲ ክፋላት ቁጠባን እታ ሃገር ብዙሕ ክጸሉ ኢዩ።
ብሰንበት፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢራናውያን "ሞት ንኣሜሪካ" ኢሎም እናጨርሑ፡ ንዝኾነ ዝርርብ ዘለዎም ተቓውሞ ገሊጾም።
ሰራዊት ኢራን'ውን ናይ ምክልኻል ዓቕሙ ንምርኣይ፡ ሰኑይን ሰሉስን፡ ናይ ነፈርቲ ኲናት ልምምድ ከካይድ ምዃኑ ይግለጽ።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝኽሪ መበል 39 ዓመት ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝተወረረሉ ኣብ ተህራን እዩ ተኻይዱ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቅድሚ ናብ ጎስጓስ ፍርቂ-ወቕቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምምርሑ፡ በቲ ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ፡ ኢራን ኣብ ወጥሪ ምህላዋ ሓቢሩ ኢዩ።
"ኣብ ኢራን ዝንበሩ እገዳታት ጽኑዓት ኢዮም። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝገበርናዮም ዝሓየሉ ኢዮም። ኢራን እንታይ ከም እትኸውን ክንርኢ ኢና፤ ድሮ'ውን ጽቡቕ ከም ዘየለው የረጋግጸልኩም።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







