ስምምዕ ኒኩለር ኢራን፡ ማይክ ፖምፔዮ ሃገራት ኣውሮጳ "ምስ ኣያቶላህ ወጊነን" ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፀሓፊ ወፃኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ማይክ ፖምፔዮ፡ ሃገራት ኣውሮጳ ኣብ ጉዳይ ስምምዕ ኒኩለር ኢራን ምስ "ኣያቶላህ ወጊነን" ብምባል ከሲሱ።
ማይክ ፖምፔዮ ነዚ ዝበለ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዳግም ማዕቀብ ከተንብር ከም ዘይትኽእል ምግላፀን ስዒቡ እዩ።
ሃገራት ብሪጣንያ፣ ፈረንሳይን ጀርመንን፡ ኣሜሪካ፡ ብ2018 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ካብ ስምምዕ ኒኩሌር ኢራን ስለ ዘንሰሓበት ሕዚ መሊሳ ኣብ ልዕሊ ኢራን ማዕቐብ ክተንብር ሕጋዊ መሰል ከም ዘይብላ ገሊፀን።
ኣሜሪካ እቲ ኣብ 2015 ካብ ልዕሊ ኢራን ዝተላዕለ ማዕቐብ፡ መሊሱ ክትግበር ንባይቶ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዋላ ሓሳብ እንተቕረበት ተቐባልነት ኣይረኸበን።
ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዝፀንሐ ማዕቐብ ኣብ ዝመፅእ ወርሒ ጥቅምቲ እዩ ከብቅዕ።
"እዚ እማመ ከተትግብር እትኽእል ዝኾነት ሃገር የላን። ኣሜሪካ ግና እዚ እማመ ንቅድሚት ንምውሳድ ትብዓትን እምነትን ኣለዋ። የግዳስ ሃገራት ምስ "ኣያቶላህ ምውጋን እየን መሪፀን" ኢሉ ፖምፔዮ።
ኣብ ባይቶ ፀጥታ እቲ ሕብረት ዘለዋ ካልኦት ሃገራት ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ንምክልኻል 30 መዓልታት ክህልወን እዩ።
እንተኾነ ኣሜሪካ ዘለዋ ስልጣን ( ቬቶ ፓወር) ብምጥቃም ንውሳነ እቲ ባይቶ ክትስዕሮ ትኽእል እያ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ባይቶ ፀጥታ ዝተስዓረት ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ማዕቐብ ካብ ምንባር ዝእግዳ ከም ዘየለ ብኣጋ ገሊፃ ኣላ።
ነዚ ድማ እዩ ማይክ ፖምፔዮ፡ እቲ እማመ ተቐባልነት እንተድኣ ዘይረኺቡ፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ማዕቐብ ንምንባር ዝከኣላ ኩሉ ከምእትገብር ኣጠንቂቑ ዘሎ።
ኣብ ልዕሊ ኢራን ማዕቐብ ክናዋሕ ዘይምግባር "ገዚፍ ስሕተት" እዩ ክኸውን ዝበለ ማይክ ፖምፔዮ፡ ኣሜሪካ ኢራን ከም ታንክታት ዝኣመሰሉ ኣዕነውቲ ኣጽዋር ክትዕድግን ክትሸጥን ከም ዘይትፈቅድ ገሊፁ።
ኣብ ስምምዕ ኒኩሌር ኢራን፡ ሓያላት ሃገራት ቻይና፣ ሩስያ፣ፈረንሳይ፣ ብሪጣንያን ጀርመንን፡ ንኢራን ናይ ማዕቐብ ዕረፍቲ ሂበን እየን።
ሃገራት ኣውሮጳ ግና፡ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ 2018 ኣቖፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ኣሜሪካ ኣብ ስምምዕ ኒኩሌር ዝነበራ ተሳትፎን መሰልን ከምዘብቀዐ ግልፂ ገይሩ እዩ ኢለን።
ይኹን እምበር ካልኦት ሃገራት፡ ካብቲ ሕዚ ኣሜሪካ ክወስዶ እየ ኢላ ዘላ ስጉምቲ ብኸመይ ደው ከብልኣ ከምዝኽእላ ግልፂ ኣይኮነን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







