ህንዲ፡ 53 ሰባት ጥራይ ዘለዎ ብሄር ብኮሮናቫይረስ ኣብ ስግኣት ወዲቑ

ግሬት ኣንዳማኒዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ እኩባት ደሴታት ኣንዳማንስ ህንዲ: ዝነብር ብሄር ግሬት ኣንዳማኒዝ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ስግኣት ወዲቑ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 10 ኣባላት እቲ ናይ ምጽናት ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ብሄር ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ሓደ በዓል መዚ ጥዕና ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቶም ኣብተን ርሑቕ ደሴታት ዝነብሩ 4 ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዝተለኽፉ ክረጋገጽ ከሎ፡ እቶም ኣብ ከተማ ዝቕመጡ ሽዱሽተ ሰባት ግና ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዮም ተለኺፎም።

እዞም ብግሬት ኣንዳማኒዝ ዝፍለጡ ህዝቢ፡ ቁጽሮም ከባቢ 50 ኮይኑ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ሓንቲ ደሴት እዮም ዝነብሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብ ሞያ ጥዕና ናብታ፡ እቶም ህዝቢ ዝቕመጡላ ደሴት ብምኻድ፡ ንኹሎም ነበርቲ ኣብ ዝገበርዎ መርመራ፡ እቲ ናይ ፈለማ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ኣባል እቲ ብሄር ረኺቦም።

ክልተ ካብቶም ኮቪድ-19 ሓሚሞም ዘለው ኣባላት እቲ ብሄር ኣብ ሆስፒታል ክድቅሱ እንከለው፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ግና ኣብ መወሸቢ ማእከላት ኣለው።

ላዕለዋይ በዓል ሞያ ሕክምና ዶክተር ኣቪጂት ሮይ ንበቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ከተማ ክነብሩ ዝጸንሑ ካልኦት ሽዱሽተ ኣባላት እቲ ብሄር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ተዛሪቡ። ኣብዚ እዋን ኩሎም ሓውዮም እዮም።

ብዙሓት ኣባላት ግሬት ኣንዳማኒዝ፡ ኣብ መንጎ ወደብ በሌርን ዝተገለለ ደሴቶምን ከም ዝንቀሳቐሱን፡ ኣብ ምንቅስቓሳቶም ተለኺፎም ክኾኑ ከም ዝኽእሉን ዶክተር ሮይ ሓቢሩ።

እቲ ለበዳ ናብ ካልኦት ኣብተን ደሴታት ዝነብሩ፡ ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ብሄራት ከይላባዕ ቀዳምነት ተዋሂቡ ይስርሃሉ ምሕላው'ውን ገሊጹ።

ኣብ ደሴታት ኣንዳማንስ ሓሙሽተ ናይ ምጽናት ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ዝርከብ ህዝብታት - ጃራዋስ፡ ኖርዝ ሰንቲነሊዝ፡ ግሬት ኣንዳማኒዝ፡ ኦንግ ከምኡውን ሾምፐን - ይነብሩ።