ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዕልቕልቕ፡ 130 ሽሕ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዕልቕልቕ፡ 170 ሽሕ ነበርቲ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ወርሒ ነሓሰ ዝሃረመ ዝናብ ብዘስዓቦ ሓደጋ ውሕጅ ኣስታት 170 ሽሕ ሰባት ጉድኣት ከም ዝጽሖም ተገሊጹ።

በዚ ምኽንያት ካልኦት 130 ሽሕ ነበርቲ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉ ምኽትል ኮሚሽነር ኣመራርሓ ሃገራዊ ስግኣት ሓደጋ ኣቶ ዳመነ ዳሮታ ንቢቢሲ ገሊጹ።

አቲ ምክትል ኮሚሽነር ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ተሞኩሮ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብዚ ዓመት ብምኽንያት ውሕጅ ናብ ክልተ ሚልዮን ዝጽግዑ ሰባት ክጉድኡ ከም ዝኽእሉን ልዕሊ 434 ሽሕ ሰባት ድማ ክመዛበሉ ከም ዝኽእሉ ግምት ከም ዝነበረ ተዛሪቡ።

ክሳብ ሕጂ ድማ ኣብ ክልል ዓፋር ሩባ ኣዋሽ ብምምልኡ 67ሽሕን 885ን ሰባት ጉድኣት በጺሑዎም፤ ልዕሊ 40 ሽሕ ሰባት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተዘናበሉ እቲ ምኽትል ኮሚሽነር ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ኣብ ደቡብ ኦሞ ዳሰነች ኣብ ዝበሃል ከባቢ ሩባታት ብምምልኦምን ግድብ ጽዓት ግቤ 3 ብዝተወሰነ መልክዑ ማይ ክፍኑ ስለ ዝጀመረን ብዝበጽሐ ሓደጋ ውሕጅ ኣብ ኦሞ ዝርከቡ ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት ጉድኣት ከይበጽሖም ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ተገይሩ ኢሉ።

እዚኦም ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ቦታ ክጸንሑ ብምግባር ነቶም 10 ሽሕ ተመዛበልቲ ዝተፈላለየ ሓገዛት ከም ዝተገብረሎም ኣቶ ዳመነ ገሊጹ። ዝተረፉ 5 ሽሕ ሰባት'ውን እቲ ሓገዛት ንክበጽሖም ንሰርሕ ኣለና ኢሉ።

ኣብዚ ዓመት ቑጽሪ ብሓደጋ ውሕጅ ዝጥቅዑ ሰባት ከም ዝወሰኸ ዝገለጸ ኣቶ ዳመነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ሓጋይ ብዝበጽሐ ሓደጋ ልዕሊ 470 ሽሕ ነበርቲ ጉድኣት እንትበጽሖም ልዕሊ 300 ሽሕ ድማ ከም ዝተዘናበሉ ሓቢሩ።

ኣብ ርእሲ እዚ ዝናብ ክረምቲ ከም ዘርከበን፡ ሩባታትን ፈለጋትን ብምምልኦም ብዙሓት ንሓደጋ ከም ዝጠቓልዑ እዩ ዝዛረብ።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ተኸታታሊ ዝናብ ስለ ዝህሉ ሓደጋ ውሕጅን ምህማም መሬትን ከጋጥም ከም ዝኽእል ዝገለጸ ኣቶ ዳመነ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ድማ ግድብ ተንዳሆ ክመልእ ስለ ዝኽእል ጥንቃቐ ንክግበር ኣተሓሳሲቡ።

ብተመሳሳሊ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ግድባት ከሰምን ቆቃን ክመልኡ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ ኣድላዪ ጥንቃቐ ክግበር ጸዊዑ።