ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ብውሕዱ 9 ሰባት ቀቲሉ

ኣብ ኣንፈት ምዕራብ ኣዲስ ኣበባ እትርከበ ቡራዩ ኣብ እትበሃል ከተማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም ዕልቕልቕ ውሕጅ ብዘስዓቦ ሓደጋ 9 ሰባት ህይወቶም እንትስእኑ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ድማ ሃለዋቶም ኣይተፈለጠን።
ሓላፊ ኮምኒኬሽን እታ ከተማ፡ ኣቶ ዓብደላ ቲቤሶ ንቢቢሲ ከምዝገለጾ፡ ገፈርሳ ኖኖን ገፈርሳ ጉጂ ኣብ ዝበሃሉ ክልተ ቀበሌታት በቲ ዘጓነፈ ሓደጋ ውሕጅ ዛጊድ ናይ 9 ሰባት ሬሳ ከምዝተረኽበ ሓቢሩ።
ነቶም ኣበይ ከምዝኣተዉ ሃለዋቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ንምርካብ ድማ ኣለሻ የካይዱ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ሰባት ንስራሕ ካብ ካልእ ከባቢ ዝመጽኡ ከምዝኾኑ’ውን እቲ ሓላፊ ኮምኒኬሽን ወሲኹ ተዛሪቡ።
ናይቶም ሰባት መንነት ኣብ ምፍላይ ከምዝርከቡ ዝገለጸ ኣይተ ዓብደላ፡ ዛጊድ መንነቶም ዝተፈለዩ ሰባት ሬሳኦም ነናብ ዓዶም እናተልኣኸ ከምዝርከብ ጠቒሱ።
እቲ ዕልቕልቕ ኣብ ንብረትን እንስሳን’ውን ከቢድ ሓደጋ ኣውሪዱ’ሎ።
ካብቶም ጉድኣት ዝበጽሖም ፋብሪካታት፣ ገዛውቲ፣ ትካላት ንግዲ፣ ትካላት መንግስትን ኣብያተክርስትያንን ይርከብዎም።
“ሓደ ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ውሽጡ ዝነበረ ቤት-ትምህርትን በቲ ውሕጅ ተወሲዱ “ ኢሉ፡ ኣቶ ዓብደላ።
በቲ ውሕጅ ዝተወስዳ ከብትታት፣ ጤለ-በጊዕን ኣፍራስን ኣብቲ ሜዳ ተሰጢሐን ከምዘለዋ’ውን ተዛሪቡ።
ከምኡ’ውን ሓደ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ ኣውቶብስ በቲ ዕልቕልቕ ሓደጋ ከምዝበጽሖን፡ ኣብቲ ከባቢ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ውሕጅ ከጋጥም ንመጀመርታ ጊዜ እዩ ተባሂሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







