ኣብ እዋን ውሕጅ ክውሰዱ ዝግበኦም ጥንቃቐታት

ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራሕ ኣብ ኢትዮጵያ 14 ሰባት ብሓደጋ ውሕጅ ሞይቶም'ዮም።
ሃንደበታዊ ሓደጋ ምዕልቕላቕን ውሕጅን እንተጋጥም እንታይ ክንገብር ይግበኣና?
ክሻታት ሑፃ መሊእኻ ኣብ ኣፍደገ ምድርዳር

በርን መሳኹትን ምዕፃው ኣይትረስዑ።
ኩነታት ሕድሕድ ኣባል ቤተሰብኩም ኣጣልሉ።

ሕድሕድ ኣባላት ስድራኻ ኣበይ ከምዘለዉ ምፍላጥ ዝሓሸ ትንቃቐ ክትገብር ሓጋዚ እዩ። እንስሳት ምፍታሕ ኣድላዪ እዩ።
ዝኾኑ ዓይነት ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ናውቲ እለዩ። መትረባት ማይ እውን ዕፀዉ።

ኣብ ደገ እንተደኣኾይንኩም ዝወደቐ ናይ ኤለክትሪክ ዕንፀይቲ ከይህሉ ተጠንቀቑ።
ረሳሕ ፈሳሲ ከይወፅእ፤ ሽቓቕኩም ብኣግባቡ ዕፀውዎ።

መዳበርያ ከምኡ ድማ ፀረ ባልዕ ዝኣመሰሉ መርዛም ባህሪ ዘለዎም ነገራት ካብቲ ዕልቅልቕ ኣርሒቅኩም ስቐልዎ።
ናብ በሪኽ ቦታ ደይቡ፤ ወይ ከኣ ተጠንቂቕኩም ናብ ናሕሲ ደይቡ።

ኣብ ውሕጅ ምኻድ ግቡእ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፤ ዋላ 15 ሴንቲ ሜትር ጥራሕ ዕምቆት ዘለዎ ውሕጅ ሰብ ክወስድ ይኽእል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







