ኬንያ፡ 6 ሬሳታት ብውሕጅ ናይ ዝተወስዱ በጻሕቲ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ኬንያ ብውሕጅ ተወሲዶም ናይ ዝቐነዩ ምዃኑ ዝተነግረሉ 6 ሬሳታት ተረኺቡ።
ኣብቲ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ሄልስ ጌት ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ሓሙሸተ ኬንያውያን በጻሕቲ፡ ሓደ "ወጻእተኛን" ሓደ መራሒ መንገድን ግዳይ ከም ዝኾኑ፡ ኣገልግሎት ህያዋን መሮር ኬንያ ሐቢሩ።
ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምእላሽን ህይወት ናይ ምድሓንን መስርሕ ናይ 6 በጻሕትን መራሕቶምን ተረኺቡ'ሎ፡ እቲ ሻውዓይ ግን ዛጊት ሃለዋቱ ኣይተፈልጠን
እቲ ካብ ከተማ ናይሮቢ 100 ኪሜ ንሰሜናዊ ምዕራብ ርሒቑ ዝርከብ ሕዛእቲ ኣብዚ እዋን ተዓጽዩ ይርከብ።
ሓደ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ንሓለውቲ እቲ ሕዛእቲ ምስ ሓበረ፡ ብሄሊኮፕተር ዝተሓገዘ ጉጅለ ኣለሽቲ ናብቲ ከባቢ ከም ዝተዋፈረ፡ መራኸቢ ብዙሓን ጸብጺበን።
እቶም ሃለዋቶም ዘይተረኽበ "ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ" ንቃላት እቶም ዝድሓኑ መሰረት ብምግባር ርእይትኡ ዝሃበ ሓደ ኣባል ፖሊስ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ ነይሩ።
ሄልስ ጌት ማለት 'ኣፍደገ ገሃነም' ካብ ኣብቲ ኣብ ጸድፊ ዘሎ ጸቢብ ኣፍደገ ብምብጋስ ዝተውሃቦ ስያመ ኮይኑ፡ ብብዝሒ ውሕጅ ፍሉጥ ከባቢ እዩ።
ሄልስ ጌት፡ ኣዝዩ መሳጢ ትርኢት ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቲ ፍሉጥ ኣኒመሽን ፊልም፡ 'ዘ ላዮን ኪንግ' ንምስራሕ ደራኺ ከም ዝነበረ ይግለጽ። እቲ ፓርክ ኣብ 1984 እዩ ተደኲኑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







