እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ‘ዘይተመለሰ ሕቶታት’ ኩነታት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ
ኣብ ኤርትራ ካብ 2 ሚያዝያ 2020 ብወግዒ ዝጀመረ ዕጽዋ ኣብ ገለ ክፋል ቁጠባውን ማሕበራውን ሂወት ክፈኩስ ጀሚሩ ኣሎ።
ይኹን እምበር እቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት'ውን ዓቢ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ኣስዒቡ ዘሎ ዕጽዋን እገዳታትን፡ ኣብ ኤርትራ'ውን ከቢድ ጥምየትን ምድስካል ማሕበራዊ ሂወትን ኣኸቲሉ ኣሎ።
ንዝርጋሐ ናይቲ ለበዳ ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ክቐርብ ዝጸንሐ ጸብጻባት ድሩት ብምዃኑ፡ ገና ብምልኣት ዘይተመለሱ ሕቶታት ኣለዉ።
ኩነታት ዕጽዋ ከመይ ኣሎ?
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝቖመ "ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም" ብባሕቲ ሚያዝያ ዘውጽኣ ቀዳማይ ኣዋጅን፡ ብ16 ግንቦት ዝሃቦ መምርሒታትን ኣብ ቦትኡ ጸኒዑ ይርከብ።
እቲ በየኖት ኣካላት ከምዝቖመን ኣባላቱን ዘይፍለጥ ኣካል፡ ብ11 መጋቢት'ዩ ንፈለማ እዋን ብዛዕባ'ቲ ለበዳ ወግዓዊ መግለጺ ክህብ ተሰሚዑ።
እቲ ሓይሊ ዕማም ብ3 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ንዕጽዋ ዝምልከት መምርሒታት፡ "ክሳብ'ቲ ዝድለ ገምጋምን መማን ዝግበር ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ጸኒዖም ዝጸንሑ መምርሒታት ብደፋእታ እናፈኾሱ ከም ዝኸዱ ክግበር'ዩ" ኢሉ ነይሩ።
ድሕሪ'ዚ ብ28 ሰነ ዝወጽአ መምርሒ ናይቲ ሓይሊ ዕማም ኣብያተ ትምህርቲ ብኸፊል ክኽፈታ ብዝወሰኖ መሰረት፡ ተምሃሮ ነቲ ዝተረፎም መደብ ትምህርቲ ንምዝዛም ካብ 6 ሓምለ ጀሚሮም ናብ ኣብያተ ትምህርቶም ክምለሱ ጸኒሖም ኣለዉ።
እቶም 11 ክፍሊ ክውድኡ ዝነበሮም ብ6 ሓምለ ክምለሱ እንከለዉ፡ ተምሃሮ ላዕለዎት ትካላ ትምህርቲ (ኮለጃት) ድማ ብ13 ሓምለ ናብ መደብ ትምህርቶም ተመሊሶም።
ዝተረፉ ካልኦት ከኣ፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ወርሒ'ዚ ንዝተረፎም ወዲኦም ናብቲ ዝቕጽል ክሰጋገሩ ትጽቢት ይግበር።
ኣብቲ ዝወጽአ መምርሒ፡ "ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሃገርና፡ ብዝኾነ መዓቀኒታት፡ ኣብ ኣዝዩ ዘሻቕል ደረጃ ኣይበጽሐን" ድሕሪ ምባል ምክትታልን ልዑል ጥንቃቐን እናተገብረ "ልምዓታዊ መደባት ሃገር ንምዕዛዝ፡ ምዙኑን ደፋእታውን ስጉምቲታት ክውሰዱ ግን ንግቡእ እዩ" ኢሉ ነይሩ።
ጸብጻባት ካብታ ሃገር ከም ዝሕብርዎ፡ ገለ ትካላት ንግዲ'ኳ እንተ ተኸፍታ እታ ሃገር ግን ሕጂ'ውን ኣብ ወግዓዊ ዕጽዋ'ያ ትርከብ።
እቲ ብቐደሙ'ውን ስሩዕ መግለጺታት ዘይህብ ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ብድሕሪ'ቲ ናይ 28 ሰነ መግለጺኡ ህጣሙ ምጥፍኡ፡ ዜጋታት ብዛዕባ ኩነታት እቲ ዕጽዋ ኣብ ምድንጋር ኣትዮም ከምዘለዉ ምንጭታት ይሕብሩ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ግን እቲ ኩነታት ብዘይ ወግዓዊ መግለጺ፡ ቁጠባዊ ንጥፈታት ይበራበር ከምዘሎን፡ ብዙሓት ትካላት ንግዲ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ገለ ነበርቲ ናይታ ከተማ ሓቢሮም።
ከም ጋራጃት ዝኣመሰላ ገለ ትካላት ንግድን ኣገልግሎታትን ኣቐዲመን ተኸፊተን ኣገልግሎት ክህባ ከም ዝጸንሓ ይፍለጥ።
ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር በረራታት ይኹን ብምድርን ብባሕርን ዝግበር መገሻታት ግን ክሳብ ሕጂ ተኣጊዶም ይርከቡ።
ጥምየትን ቁጠባዊ ምድስካልን
ህዝባዊ መጓዓዝያ ተኣጊዱ ወይ ተደሪቱ ብምህላዉ፡ ህዝቢ ድራር ዕለቱ ክምእርር ስለዘይከኣለ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ጥምየት ኣጋጢሙ ከምዘሎ ጸብጻባት ክገልጹ ጸኒሖም'ዮም።
እቲ ዕጽዋ፡ ናህሪ ዋጋ መሰረታውያን ሃለኽቲ ስለዘኸተለ ኣብ ህዝቢ ተወሳኺ ጸቕጢ ፈጢሩ ኣሎ።
እቲ ድሕሪ ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ትሕቲ 3000 ናቕፋ ወሪዱ ዝነበረ ዋጋ ጣፍ ሎሚ ልዕሊ 7000 ናቕፋ በጺሑ ምህላዉ ናህሪ ኩነታት ዕዳጋ ዘርኢ ሓደ ኣብነት እዩ።
ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት፡ ህዝቢ ንሓድሕዱ ክተሓጋገዝ ይፍትን እኳ እንተሎ ብስሩዕ ስለዘይግበር ቀጻልነት የብሉን።
ብሰንኪ'ዚ ዓቕሉ ዘጽበበ ህዝቢ ነቲ እገዳታት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ይጥሕሶ ምህላዉ፡ ጸብጻባት መንግስቲ'ውን ክገልጽዎ ጸኒሖም ኣለው።
እቲ ንሕስያ ዘይብሉ ለበዳ ዝፈጥሮ ቁጠባዊ ሓጎጽጎጽ፡ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ከይተረፈ ንጥፈታት ቀንዲ ጽላታት ኣደስኪሉን ካብ ስራሕ ወጻኢ ስለዝገበረን ልዑል ሽቕለት ኣልቦነት ተፈጢሩ ይርከብ።
ዝበዝሓ ሃገራት፡ ነቲ በሰላ ንምሕዋይ ህጹጽ ባጀት ከጽድቓ ተገዲደን ኣለዋ።
ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ንህጹጽ ሰባዊ ደገፍ ይኹን፡ ነቲ ቁጠባ ንምሕዋይ ዝተሰለዐ ወግዓዊ ባጀት የለን። ንምዃኑ'ውን ባጀት መንግስቲ ብኸመይ ከምዝስላዕ ንህዝቢ ምስጢር እዩ።
እቲ ብቐደሙ'ውን ድኹም ምዃኑ ዝፍለጥ ቁጠባ፡ በቲ ለበዳ ተሃስዩ ከምዘሎ'ዮም ኪኢላታት ቁጠባ ዝገልጹ።
እቲ ዕጽዋ ብፍላይ ኣብቶም ግዝያዊ ሽቕለት ዝፈጥሩ ክፋላት ቁጠባ፡ ከም ቱሪዝምን ኣብያተ መግብን መስተን ቀሊል ዘይኮነ ስምብራት ኣስዒቡ ኣሎ።
ቀንዲ ቁጠባዊ ምንጪ ኤርትራ ዕደናን፡ ኣብ ደገ ዝነብሩ ዜጋታት ዝሰድዎ ገንዘብን (ረሚታንስ) ምዃኑ ይግለጽ።
ዋጋ ሸርፊ ብምጉዳሉን፡ መጓዓዝያ ብምእጋዱን እውን ነቲ ናይ ሓዋላ ኣገልግሎታት ተተንኪፉ፡ ካብ ቤተ-ሰቦም ዝለኣኸሎም ገንዘብ ኣብ እዋኑ ንኽይበጽሖም ምኽንያት ኮይኑ ከምዘሎ ገለ ኤርትራውን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ዝርጋሐ ኮሮናቫይረስ ኣብታ ሃገር እንታይ ይመስል?
ኣብ ኤርትራ፡ ክሳብ ሎሚ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ሰባት 285 በጺሑ ኣሎ። ካብኣቶም 248 ሓውዮም ካብቲ ተዓቚቦምሉ ዝነበሩ ሆስፒታላት ተፋንዮም ኣለዉ።
እቶም ዝተረፉ 37 ከኣ ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ከምዘለዉ ሚኒስትሪ ጥዕና ዘውጽኦ ሓበሬታ የረድእ።
ዛጊት ኣብታ ሃገር በቲ ቫይረስ ዝሞተ ሰብ የለን።
ሚኒስትሪ ጥዕና ዝህቦ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር 81 መወሸቢ ማእከላት ተመስሪቶም ኣለዉ።
ብዘይካ ውሑዳት፡ እቶም ዝተለኽፉ ሰባት ካብ ወጻኢ ሃገራት ብስሩዕን ዘይስሩዕን ኣገባባት ዝኣተዉ ምዃኖም'ዩ ዝግለጽ።
ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን ክልከፉ ዝጸንሑ ሰባት፡ "ብፍኑው" ዝኣተዉ ምዃኖም'ዩ እቲ ሓበሬታ ዝጠቅስ።
"ዋሕዚ፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ ጁቡቲን የመንን ብመሬትን ባሕርን ብፍኑው ዝምለሱ ዜጋታት ሰለዘየቋረጸ፡ ዛጊት፡ ናብ ኤርትራ ናይ ዝተመልሱ ድምር ቊጽሪ 12,375 በጺሑ'ሎ" ክብል ብ7 ነሓሰ 2020 ሚኒስትሪ ጥዕና ዘውጽኦ ሓበሬታ ጠቒሱ'ሎ።
እዞም ብፍኑው ኣገባብ ዝምለሱ ዘለዉ ብኸመይ ከም ዝተፈልጡ ይኹን፡ ከይተፈልጡ ዝኣተዉ ክህልዉ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ዝገልጽ ተወሳኺ ሓበሬታን ገምጋምን የለን።
እዚ ድማ ኣብ ህዝቢ ተወሳኺ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ይገልጹ ኣለዉ። ገለ'ውን ኣተሓሕዛ መንግስቲ ግሉጽነት ዝጎደሎ'ዩ ክብሉ ይኸሱ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝግበር ዘሎ መርመራታት ኣብቶም መወሸቢ ማእከላት ዘተኮረ ጥራይ ምዃኑ ካብቶም መግለጺታት ንምርዳእ ይከኣል።
ኣቐዲሙ ኣብ ክፍላ ግንቦት ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣስመራ ዝተጀመረ ገምራዊ (ራንደም) ዳህሳሲ መርመራታት፡ ኣብ ካልኦት ቦታታት ቀጺሉ እንተኾይኑ ዛጊት ብወግዒ ኣይተገልጸን።
ላዕለዋይ ሓይሊ ዕማም ብ16 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መምርሒታት፡ ካብ 17 ግንቦት ዝጅምር፡ ኣብ ኣስመራን ካልኦት ኣብ ዶባት እታ ሃገር ዝርከባ ከተማታትን ዓድታትን "ሰፊሕ መርመራታት ክካየድ ወሲኑ" ነይሩ።
ኣብቲ ብ3 ሰነ ዘውጽኦ መግለጺኡ ድማ፡ እቲ ዳህሳሳዊ መርመራታት ኣብ ኣስመራ ከምዝተዛዘመን፡ ኣብቲ መጽናዕቲ ካብቶም 4,658 ተሳተፍቲ ናይቲ መርመራ፡ ክልተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ተለኺፎም ከም ዝተረኽቡን ሓቢሩ።
"ኣብ ዝመጽእ ሰሙናት ኣብ ከባቢ ዶባት ዝርከባ ከተማታትን ካልኦትን፡ ኣብ እተናውሔ እዋን ድማ ብዝሰፍሔ ዝርጋሔ ክቕጽል እዩ" ክብል'ውን እቲ መርመራታት ቀጻሊ ምዃኑ ብንጹር ገሊጹ ነይሩ።
እዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ግን ዝተዋህበ እዋናዊ ሓበሬታ የለን። እቲ ሓይሊ ዕማም'ውን ሕጂ'ውን ደሃይ ኣጥፊኡ ይርከብ። ሚኒስትሪ ጥዕና'ውን ነዞም ጉዳያት ዝምልስ ሓበሬታ ኣይሃበን።
ስለዚ ከምቲ ኣቐዲሙ ኣብቲ ናይ 16 ግንቦት መግለጺኡ ዝበሎ፡ ብዛዕባ ፖሊሲን ኣተሓሕዛን መንግስቲ ይኹን፡ ከምኡ'ውን ዝርጋሐ ለበዳ ናይቲ ቫይረስ "ዘይተመለሰ ሕቶታት" ኣሎ።