ቻይና፡ ሩስያን ኢራንን ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ክጸልዋ ይሰርሓ ኣለዋ ተባሂሉ

ቻይና፡ ሩስያን ኢራንን ገለ ካብተን ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ክጸልዋ ህርዲግ ዝብላ ዘለዋ ሃገራት ምዃነን ላዕለዋይ ሓላፊ ስለያ ኣሜሪካ ዊልያም ኢቫኒንያ ተዛሪቡ።

እቲ ዝወጽአ መግለጺ፡ እዘን ሃገራት ‘ብግሁድን ብሕቡእን ኣገባብ’ ነቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ጽልዋ ክፈጥራሉ ይሰርሓ ምህላወን ገሊጹ።

እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ “እዘን ሃገራት መን ክዕወት ከምዘለዎ ሕርያ ኣለወን” ይብል።

እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ስለያ ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ኣብ 2016 ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሩስያ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንኽዕወት ኣብ እዋን ጎስጓስ ምረጹኒ ምትእትታው ገይራ ምንባራ ሓቢሩ።

እንተኾነ ሩስያ ነዚ ክሲ እዚ ኣብ ግዚኡ ነጺጋቶ እያ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ እዚ መግለጺ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ምምሕዳሩ ነዚ ነገር “ብደቂቕን ብቐረባን ክከታተሎ’ዩ” ኢሉ።

እዚ መግለጺ ትካላት ስለያ ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንኽናዋሕ ኣብ ዝሓተሉ ዘሎ እዋን’ዩ ዝወጽእ ዘሎ።

ካልእ’ውን ጠበቓታት ዲሞክራትስ፡ ትካላት ስለያ ኣሜሪካ፡ ብዛዕባ ግዳማዊ ምትእትታው ኣመልኪተን ንህዝቢ ሓበሬታ ኣይህባነን እየን ዘለዋ ኢሎም ጥርዓኖም ምስ ኣስምዑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብዚ ፕረዚደንታዉ ምርጫ፡ እቶም ቀንዲ ተወዳደርቲ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንሪፓብሊካን ወኪሉ ንካልኣይ ግዜ ንኽምረጽ፡ ንዲሞክራትስ ወኪሉ ዝወዳደር ናይ ቅድም ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ጆ ባይደን እዮም።

እቲ መግለጺ ብዙሓት ሃገራት መን ክዕወት ከምዘለዎ ነናተን ሕርያ ኣለዋን ዝብል እዚ መግለጺ ብፍላይ ነቲ ካብ ቻይና፡ ሩስያን ኢራንን ክምጽእ ዝኽእል ጽልዋታት "ቀንዲ ኣሻቓሊ'ዩ" ኢሉ።

እቲ መግለጺ "ቻይና፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዳግማይ ክምረጽ ፈጺማ ኣይትደልይን እያ" ይብል።

ሩስያ ብወገና ንጆ ባይደን ብምንሻው ነቶም ጸረ ሩስያ እንትብሎም ክትዶቅስ ትሰርሕ ኣላ ዝብል እዚ መግለጺ፡ ሩስያን ምስ ሩስያ ምትሕሓዝ ዘለወን ሃገራት ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሽሙ ንምብራኽ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ኣብ ተለቪዥንን ይሰርሓ ምህላወን ይጥቅስ።

እቲ መግልጺ ኢራን ብወገና ንዲሞክራስያዊ ትካላት ኣሜሪካ ብምንእኣስ ቅድሚ ምርጫ ምክያዱ ስኑዕ ሓበሬታታት ብምንዛሕ ንኣሜሪካውያን ክትፈላሊ ትሰርሕ ምህላዉ ብምጥቃስ ፕረዚደንተ ዶናልድ ትራምፕ ከይዕወት ትሰርሕ ምህላዋ የመልክት።