እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ምርጫ 2020 ኣመሪካ ክናዋሕ ጸዊዑ
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብፖስታ ዝግበር መስርሕ ምሃብ ድምጺ፡ ምትላልን ዘይቅኑዕ ውጽኢትን ከስዕብ ከም ዝኽእል ብምግላጽ፡ ምርጫ ኣሜሪካ 2020 ንግዚኡ ክመሓላለፍ ጸዊዑ።
ሰባት "ብግቡእ ውሕስነት ብዘለዎን ብዘተኣማምንን" መገዲ ድምጺ ምሃብ ክሳብ ዝኽእሉ፡ ክሰጋገር እዩ ትራምፕ ሓቲቱ።
ነዚ ናይ ፕረዚደንት ትራምፕ ስክፍታታት ዘረጋግጽ መርትዖታት ውሑድ እኳ እንተኾነ፡ ኣንጻር ብፖስታ ድምጺ ምሃብ ክጉስጉስ ጸኒሑ እዩ።
ግዝኣታት ኣሜሪካ፡ ብሰንኪ እቲ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ መረጻ ብፖስታ ብዝቐለለ ኣገባብ ከካይዳ እየን ዝደልያ።
ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ብፖስታ ድምጺ ምሃብ፡ ነቲ ናይ ሕዳር ምርጫ "ኣብ ታሪኽ ምርጫ እቲ ትኽኽል ዘይኮነን ኣደናጋርን" ዝገብሮ እዩ ብምባል፤ "ንኣሜሪካ ዓቢይ ሕፍረት" እዩ ኢሉ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ግዝኣታት ካሊፎርንያ፡ ዩታህ፡ ሃዋይ፡ ኮሎራዶ፡ ኦሪገን ከምኡውን ዋሽንግተን ነቲ ናይ ሕዳር ምርጫ ብፖስታ ከካይድኦ ወጢነን እየን።
እቲ ድምጺ መውሃቢ ወረቐት ነቶም ዝተመዝገቡ ኣድመጽቲ ብፖስታ ክስደድን ኣብ መዓልቲ ምርጫ ድማ ክምለስን እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ብዝተወሰነ ደረጃ፡ ብኣካል ድምጺ ዝወሃበሉ ኩነት ክህልው እዩ።
ከባቢ ፍርቂ ግዝኣታት ኣሜሪካ፡ ዝተመዝገቡ ኣድመጽቲ ብድልየቶም ብፖስታ ከድምጹ የፍቅዳ እየን።
ነቐፍቲ ግና ገለ ሰባት ኣብ ክንዲ ዝበኾሩ ሰባት ደጋጊሞም ድምጾም ክህቡ ዘኽእል ምዃኑ ይምጉቱ።
ብመሰረት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብደረጃ ሃገርን ኣብ ግዝኣታትን ዝተኻየዱ መጽናዕትታት ግና፡ ናይ ዝተጋገነነ ምትላል ተርእዮ ጭብጢ የሎን።