እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሜሪካ 12 ሽሕ ወተሃደራታ ካብ ጀርመን ክትስሕቦም’ያ
ኣሜሪካ ኣብ ጀርመን ካብ ዘለዉ ሰራዊታ ኣስታት 12,000 ክትስሕቦም ምውሳና ነቶም ኣብ ኣውሮጳ ዘለዉ ሰራዊታ ብስትራተጂካዊ ሜላ ተውጽኦም ምህላዋ ተገሊጹ።
ካብዞም ካብ ጀርመን ክወጽኡ ተወሲኑ ዘሎ ሰራዊት ኣሜሪካ እቶም 6,400 ናብ ኣሜሪካ ክምለሱ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ከም ጣልያንን ቤልጂምን ዝኣመሰላ ማሕበር ሃገራት ኔቶ ክግዕዙ እዮም።
ፕረዚደንት ትራምፕ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደሉ ምኽንያት ጀርመን ነቶም ኣብ ሃገራ ዘለዉ ሰራዊት ኔቶ ወጻኢታቶም ኣብ ምሽፋን ተድሓርሕር ብምህላዋ እዩ ኢሉ።
እቲ ስጉምቲ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሩስያ ኣብቲ ዞባ ተቢዓ ንክትንቀሳቀስ ዕድል ዝኸፍት’ዩ ብምባል ብዙሓት ኣባላት ባይቶ ኣሜሪካ ተቃዊሞሞ ኣለዉ።
ላዕለዎት ሰብ መዚ ጀርመን’ውን ኣብ ልዕሊ ውሳነ ፕረዚደንት ዶናልድ ትረምፕ ዘለዎም ስምዕታ ገሊጾም ኣለዉ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዋይት ሃውስ ንጋዜጤኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ንሕና ካብቲ ቦታ ዝነበረ ገለ ክፋል ሰራዊትና ነውጽኣሉ ዘለና ምኽንያት ሕሳቦም ይኽፈል ስለዘየለ’ዩ፡ ቀሊል ነገር እኮ’ዩ” ኢሉ።
ትራምፕ ኣባላት ኔቶ ዝኾና ኣውሮጳውያን ሃገራት፡ ካብ ኣሜሪካ ከይተጸበያ ወጻኢታት ሰራዊተን ባዕለን ክሽፍና ከምዘለወን ብተደጋጋሚ ክምሕጸን ጸኒሑ እዩ።
እተን ኣባላት ኔቶ ኣብ 2024 መጠን ባጀት ኔቶ ካብ ነብሲ ወከፍ ዓመታዊ ጃምላዊ እቶት ሃገር 2 ሚእታዊት ክኸውን ኣለዎ ዝብል ኮይኑ ጀርመን ነዚ ወጥን እዚ ኣብ ምትግባር ተድሓርሕር ምህላዋ’ዩ ትራምፕ ዝሕብር።
ዋና ጽሓፊ ሚኒሰትር ምክልኻል ኣሜሪካ ማርክ ኢስፐር ግን ነቲ ምኽንያትን ውሳነን ፕረዚደንት ትራምፕ ብዝተፈለየ ቃና እዩ ገሊጽዎ።
ንሱ እቲ ኣሜሪካ ትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ከም ዳግመ ምውዳብን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ወተሃደራዊ ህላወ ከተታዓራሪ ኢላ ትገበሮ ከምዘላ እዩ ዝገልጽ።
ብምስዓብ “እዚ እወንታውን ስተራተጂካውን ለውጢ’ዩ፡ ነቲ ኣሜሪካን ኔቶን ንሩስያ ንምዕጋት ዝገብረኦ ስምምዓት ድማ ሕመረቱ ዝቅይሮ ኣይኮነን” ኢሉ።
ኣሚሪካ ካብቶም ኣብ ጀርመን ዝነበሩ ሰራዊታ ነቶም 25 ሚእታዊት እያ ከተውጽኦም ወሲና ዘላ፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ጀርመን ዝነበረኣ ጭፍራ ነፈርቲ ናብ ዓዲ ጣልያን ከተግዕዘን ገለ ክፋል እቲ ሰራዊት ድማ ናብ ፖላንድ ከምዝግዕዝ ዋና ጽሓፊ ሚኒሰትር ምክልኻል ኣሜሪካ ማርክ ኢስፐር ገሊጹ።
ጀርመን ብውሳነ ናይ ኣሜሪካ ከምዘይትሓጎሰት ገሊጻ ኣላ።
ኣቦ ወንበር ኮሚተ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ስጉምቲ ናይ ኣሜሪካ “ንውህደት ናይ ኔቶ ዘዳኽም ስጉምቲ’ዩ” ኢልዎ ኣሎ።
ሓላፊ ዞባ ባቫርያ ጀርመን ማርኩስ ሶደር ብወገኑ “እዚ ስጉምቲ ናይ ኣሜሪካ፡ ንዲፕሎማስያዊ ርክባት ኣሜሪካን ጀርመንን ዝዕንቅጽ’ዩ” ኢልዎ።
ብዙሓት ኣሜሪካውያን’ውን እቲ ስጉምቲ ንረብሓ ኣሜሪካ ኣብ ግምት ዘየእተወ’ዩ ብምባል ይቃወምዎ ኣለዉ።
ኣባል ሪፓብሊካን ላዕለዋይ ሓጋጊ ባይቶ ሚት ሮምንይ ነቲ ስጉምቲ ብምቅዋም “እዚ ንዓርክኻ ከም ምጽፋዕ’ዩ” ኢልዎ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ከምዚ ዓይነት ውጥን ከምዘለዎ ቅድሚ ሓደ ወርሒ እዩ ከተምብህ ጀሚሩ።
ንሱ ጀርመን ኣብ ኔቶ ክትከፍሎ ዝግብኣ ክፍሊት ትሽፍን ከምዘየላ ብምግላጽ፡ ጀርመን ምስ ኣሜሪካ ትኽተሎ ዘላ ኣግባብ ንግዳዊ ምትእስሳር ኣመልኪቱ’ውን ሕጉስ ከምዘየሎ ገሊጹ ነይሩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ሰራዊት ኣሜሪካ ኣብ ጀርምን ስለዝሕሽሹ ዝያዳ ትኸስብ ከምዘላ’ውን ምጥቃሱ ይዝከር።
ጀርመን ኣብ ኣውሮጳ ዝበዝሐ ሰራዊት ኣሜሪካ ዘለዋ ሃገር ኮይና፡ ጣልያን ዓባይ ብርጣንያን ስጳኛን ብተርታ ይስዕባኣ።