ሕነ ስድርኣ ንምፍዳይ ክልተ ኣባላት ጣሊባን ዘቐተለት ኰተቴ

ኣፍጋኒስታዊት ኰተቴ ስድርኣ ንዝቀተሉላ ክልተ ኣባላት ጣሊባን ብምቅታል ሕኒኣ ብምፍዳያ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ‘ጅግና’ ዝብል ቅጽል እናተዋሃባ ኣዛራራቢት ኮይና ትርከባ።

እዛ ጓል ኣንስተይቲ ናይ ስድራኣ (AK-47) ጠበንጃ ብምጥቃም ክልተ ካብቶም ኣባላት ጣሊባን ክትቀትሎም እንከላ ንብዙሓት ከምዘቁሰለት ሰብመዚ ዞባ ጎር ሓቢሮም።

እቶም ኣባላት ጣሊባን ኣቦኣ ደጋፊ መንግስቲ’ዩ ኢሎም ከምዝቐተልዎ እቶም ሰብ መዚ ሓቢሮም።

እታ ኰተቴ ጓል ኣንስትይቲ ጠበንጃ ሒዛ ዘርኢ ስእሊ ኣብ መሓበራዊ መራኸቦታት ሰባት ብብዝሒ ክቀባበልሉ ቀንዮም።

ድሒሮም ብዙሓት ኣባላት ጣሊባን ነታ ዓዲ ከጥቅዕዋ'ኳ እንተመጽኡ፡ በቶም ናይታ ግሪዋ እትብሃል ዓዲ ዕጡቓትን ሚሊሻ ናይ መንግስትን ከምዝተመከቱ ተገሊጹ።

እታ ጓል ኣንስትይቲ ዕድሚኣ ካብ 14 ክሳብ 16 ክኸውን ከምዝኽል ብምግላጽ፡ ንሳን ንእሽተይ ሓዋን ናብ ውሑስ ቦታ ተወሲዶም ከምዘለዉ እቶም ሰብ መዚ ዞባ ጎር ገሊጾም ኣለዉ።

ካብቶም ንስእላ ኣሰንዮም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ዝውሃቡ ዝነበሩ ርእይቶታት ነታ ነዚ ተግባር ዝፈጸምት ኰተቴ ወደሳን “ንክብራን ትብዓታን ጉልባብናን ቆቢዕናን ንቅላዕ”፤“ስደራ መተካእታ ዘይብሎም’ዮም ሕነኺ ብምፍዳይኪ ግን ተዛማዲ ሰላም ክትረኸቢ ኢኺ” ዝብሉ ይርክብዎም።

ብመሰረት ካብ ማዕከናት ዜና ኣፍጋኒስታን ዝውሃብ ሓበሬታ፡ ዞባ ጎር ሓንቲ ካብተን ዘይማዕበላ ኣብ ምዕራብ ኣፍጋኒስታን ትርከብ ዞባ ኮይና፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ኣድልዎ፡ ዓመጽን ጸቅጥን ልዑል ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ጣሊባን፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዋላ’ኳ ምስ ኣሜሪካ ውዕል ሰላም እንተኸተሙ፡ ዝበዝሒ ካብቶም ሰራዊት ግን ኣብ ኣፍጋኒስታን ብምዃን ነቲ ናይ ኣፍጋኒስታን መንግስቲ ንሱ ዝኽተሎ ቅዋምን ንምእላይ’ዮም ዝቃለሱ ዘለዉ።