እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሒ ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ኣፍጋኒታን ተታሒዙ
መራሒ ናይ'ቲ ኣብ ደቡብ ኤስያን ርሑቅ ምብራቕን ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ዳዕሽ (ኣይኤስ ኣይኤስ) ኣብ ከተማ ካቡል ከምዝተታሕዘ ትካል ሰለያ ኣፍጋኒስታን ሓቢሩ።
እዚ ሸክ ዑመር ኮራሶኒ ተባሂሉ ዝፍለጥ መራሒ፡ ምስ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዳዕሽ ከምዝተታሕዘ'ውን ተገሊጹ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ቀንዲ ዝንቀሳቐስ ጉጁለ ጣሊባን ዋላ እኳ እንተኾነ፡ እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ ኣብ ከባቢታት ካቡል ብርክት ዝበሉ መጥቃዕትታት ቦምባ ኣካይዱ'ዩ።
እቶም ምስቲ መራሒ ዝተታሕዙ፡ ሓደ ኣፈኛ እቲ ጉጀለ ኮይኑ እቲ ካልኣይ ድማ ሓለፊ ስለያ ምዃኑ ተገሊጹ።
እቲ ወደሃደራዊ ስርሒት፡ ካብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተው ኣባላት ዳዕሽ ብዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዝተወስደ'ውን እቲ ዝወጽአ መግለጺ ስለያ ኣፍጋኒስታን ይጠቕስ።
ኣብቲ ወደሃደራዊ ስርሒት፡ ካልኦት ሓሙሽተ ኣባላት እቲ ጉጅለ ከምዝተቐትሉን፡ ሾመንተ ድማ ከምዝቖሰሉን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
መርበብ ስለያ ኣፍጋኒስታን፡ ነቶም ዝተረፉ ላዕለዎት መራሕቲ ዳዕሽ ብቀጻሊ ከምዝሃድኖምን "ንግብረሽበራዊ መሓውር እቲ ጉድለ" ከምዝድምስሶ'ውን ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት፡ ጨንፈር ሰራዊት እስላማዊ መንግስቲ (ዳዕሽ) ሓያሎ መጥቃዕትታት ኣካይዱ ነይሩ።
ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝርከብ ጨንፈር ዳዕሽ፡ ካብ እምነት ሱኒ ወጻኢ ዝኾነ ካልእ ሃይማኖት ከም ዘይጻወር ገሊጹ ነይሩ።
ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ሺዓን ሲክን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ኣካይዱ ምንባሩ ይፍለጥ።