እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓላፊ ዳዕሽ፡ ኣል ባግዳዲ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ተንቀሳቃሲ ስእሊ ዘርጊሑ
ዳዕሽ ብመገዲ ሓላፊኡ ዝኾነ ኣቡበከር ኣል ባግዳዲ ነቲ ዝኸሰሮ ዶባትን ኣማሊሱ ሕነ ከም ዝፈዲ ዝነግር ተንቀሳቃሲ ስእሊ ዘርጊሑ።
ኣቡበከር ኣል ባግዳዲ፡ ካብ 2014 ጅሚሩ ክሳብ ሕጂ ከይተረኣየ'ዩ ጸኒሑ።
እዚ ተንቀሳቃሲ ስእሊ ኣብ መርብብ ሓበሬታ እስላማዊ ጉጅለ ኣል ፉርቃን ዝተዘርገሐ ኮይኑ፡ ኣቡበከር ኣል ባግዳዲ ኣብ ባንጉዝ ዘጋጠሞም ስዕረት ክእመን እንከሎ ይስማዕ።
እዚ ተንቀሳቃሲ ስእሊ መዓስ ከም ዝተሰኣለ'ኳ መረጋገጺ እንተዘይተረኸበ፡ ዳዕሽ ግን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ከም ዝተሰኣለ'ዩ ሓቢሩ።
ውሃቢ ቃል መንግስቲ ኣሜሪካ፡ እዚ ተንቀሳቃሲ ስእሊ ተወሳኺ መርመራታት ከም ዘድልዮ ብምሕባር፡ እቲ ብኣሜሪካ ዝመራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ኩሎም ኣዘዝቲ ዳዕሽ ዝግብኦም ፍርዲ ከም ዝውሃቦም ኣፍሊጡ።
እንታይ'ዩ ኢሉ?
ኣቡበከር ኣል ባግዳዲ፡ ኣብ ብዓል ትንሳኤ ኣብ ሲሪላንካ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ግብሪ መልሲ ናይታ ኣብ ኢራቕ እትርከብ ዝኸሰርዋ ከተማ ባንጉዝ ምዃኑ ይሕብር።
ካብዚ ብተወሳኺ ካብቶም ኣብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ዝርከቡ እስላማዊ ዕጡቓት ግጅለታት ምሉእ ደገፍ ከም ዝግበረሉ መብጽዓ ከም ዝተኣተወሉ ብምሕባር ብዛዕባ ኣብ ሱዳንን ኣብ ኣልጀርያን ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቃውሞታት ብምዝርዛር፡ ጅሃደ እቲ እንኮ ምርጫ ንምዕላው ጨፍለቕቲ ምዃኑ ይጠቅስ።
መራሕቲ ሱዳንን ኣልጀርያን ንነዊሕ ዓመታት ክመርሑ ድሕሪ ምጽናሕ ብህዝባዊ ተቃውሞ ካብ ስልጣን ከም ዝተኣልዩ ዝዝከር'ዩ።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ተንቀሳቃሲ ስእሊ ምስሊ ኣቡበከር ኣል ባግዳዲ ጠፊኡ፡ ዝተቀድሐ ድምጺ ብዛዕባ መጥቃዕቲ ስሪላንካ ክዛረብ ይስማዕ።
ኢራቓዊ ኣቡበከር ኣል ባግዳዲ፡ ሓቀኛ ስሙ ኢበራሂም ኣዋድ እብራሂም ኣል ባድሪ ኮይኑ፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቅዳሕ ድምጺ ዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብዚ ናይ ሕጂ ተንቀሳቃሲ ስእሊ "ውግእ ናይ ባንጉዝ ኣብቂዑ'ዩ ብሕጂ ካልእ ብዙሕ ውግኣት ክህልወና'ዩ" ክብል ይስማዕ።
ዳዕሽ ኣብ ዶባት ኢራቕን ሶርያን ዝዝርጋሕ ኣስታተ 88,000 ትርብዒት ኪሎ ሜትር ዝኸውን ቦታ እዩ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ናይሩ።
ካብ 2016 ጅሚሩ ግን እናተዳኸመ መጺኡ፡ ከም ወጽኢቱ ኣብ ኢራቕ ትርከብ ከተማ ሞሱል ሓዲግዋ ክወጽእ ተገዲዱ።
ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ካብታ ኣብ ሶርያ ትርከብ ከተማ ራቓ ክወጹ ተገዲዶም፡ ኣብ 2018'ውን ከተማ ባንጉዝ ገዲፎማ።