ኣመሪካ፡ ስለምንታይ እዩ ትራምፕ ምስ ጣሊባን ክካየድ ዝተወጠነ ስምመዕ ሰላም ሰሪዙዎ?

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ምስ ዕጡቓት ጣሊባን ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ምስጢራዊ ስምምዕ ሰላም ሰሪዝዎ።

እቲ ስምምዕ 18 ዓመታት ንዝገበረ ኲናት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን መዕለቢ ክኸውን ተስፋ ተነቢሩሉ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ሰንበት፡ ምስ ፕረዚደንት ኣፍጋኒስታን ኣሽራፍ ጋኒ ከምኡ'ውን ላዕለዎት መራሕቲ ጣሊባን ክራኸብ ተዳልዩ ምንባሩ ብትዊተር ሓቢሩ።

እንተኾነ ግና ዕጡቓት ጣሊባን ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደን ሓደ ኣሜሪካዊ ወተሃደር ዝቐተለን መጥቃዕቲ ከም ዘካየድዎ ድሕሪ ምእማኖም፡ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ካምፕ ዴቪድ ክካየድ ዝተመደበ ምስጢራዊ ርክብ ሰሪዝዎ።

ኣሜሪካን ወኪላት ጣሊባንን ኣብ ዶውሓ ቐጠር፡ ንሓያሎ ግዜ ክራኸቡ ጸኒሖም እዮም።

ኣብ ደውሓ ዝርከብ ፓለቲካዊ ቤት ጽሕፈት እቲ ጉጅለ፡ ንውሳነ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣመልኪቱ "ህጹጽ ርክብ" ከም ዘካይድ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

ስርዓት ጣሊባን ንኣልቃዒዳ ይተሓጋገዝ እዩ ብዝብል ምኽንያት፡ ኣሜሪካ ብ 11 መስከረም 2001 ንኣፍጋኒስታን ብምውራር እዩ እቲ ጉጅለ ካብ ስልጣን ተዓልዩ።

ትራምፕ ብሰንበት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ብሓሶት ጽልዋ ንምሕዳር [ጣሊባን] ነቲ ንሓደ ካብ ብሉጻት ወትሃደራትና ዝቐተለ መጥቃዕቲ ከም ዘካየዶ ተኣሚኑ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ኣብ ክንዲ ኣብ ዘተ፡ ኣብ ሓይልን ቅትለት ምስ ዝዋፈሩ ሰባት ዘተ ኣይሰልጥን'ዩ ዝብል ትራምፕ "እቲ ናይ ሰላም ዘተ ሰሪዘዮ ኣለኹ" ኢሉ ጽሒፉ።