ንኣመሪካን ቻይናን ዘፋጥጠን ዘሎ ጉዳይ እንታይ እዩ?

ኣብ ኣመሪካ፡ ሲንጋፖሮያዊ ሰብኣይ ከም ስለያ ቻይና ኮይኑ ይስረሕ ከምዝነበረ ተኣሚኑ ክትብል ኣመሪካ ገሊጻ።

እዚ ድማ ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ዝጸንሐ ምትፍናን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣደይቡ ከምዘሎ ተገሊጹ።

እዚ ጁን-ዊ-ዮ ተባሂሉ ዝፍለጥ ሰብኣይ፡ ኣብ ኣመሪካ ፖሎቲካዊ ኣማኻሪ ኮይኑ ሰነዳት ንስለያ ቻይና የመሓላልፍ ከምዝነበረ ሰብ-መዚ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ብካልእ ወገን፡ ካልእ ቻይናዊ ተመራማራ ምስ ሰራዊት ቻይና ምትእስሳር ኣለዎ ተባሂሉ ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ቅድም ክብል፡ ቻይና፡ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ከተማ ቼንግዱ ንዝርከብ ቆንስል ኣሜሪካ ክዕጾ ኣዚዛ ምንባራ ይፍለጥ።

እቲ ስጉምቲ ግብረ መልሲ ናይቲ ኣሜሪካ ዝዓጸወቶ ኣብ ከተማ ሂዩስተን ዝርከብ ቆንስል ቻይና ምዃኑ ይግለጽ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማይክ ፖምፕዮ ሃገሩ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ቻይና፡ ምህዞታት ኣመሪካ ትሰርቕ ብምሃላዋ ዘንቀሎ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ሚኒሰትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና "እቲ ቻይና ዝወሰደቶ ስጉምቲ ነቲ ኣሜሪካ ዝወሰደቶ ዘይምኹኑይን ኣንጻን ቻይና ዝቐንዐ ሐሶት" ክብል መሊሱ።

እቶም ኣብ ሂዩስተን ዝነበሩ ቻይናውያን ዲፕሎማሴኛታት ትማሊ ክወጽኡ ትእዛዝ ተዋሂቦም ከምዝነበረን፡ ሰብ-መዚ ኣመሪካ ማዕጾ እቲ ቆንስል ደፊኦም ክኣትው ከምዝተራእዩን ተገሊጹ።

እቲ ቆንስል ብዲፕሎማስያዊ ሓይልታት ጸጥታ ኣመሪካ ይሕሎ ከምዘሎን ተፈሊጡ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንቻይና ምስ ጉዳይ ንግዲ ኮሮናቫይረስን ከተማ ሆንግ ኮንግን ኣብ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ብተደጋጋሚ ምስ መንግስቲ ቻይና ክጋጮ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ሲንጋፖሮያዊ ዜጋ መን እዩ?

እዚ ሲንጋፖሮያዊ ዜጋ፡ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ቤት ፍርዲ ገበነኛ ከምዝኾነ ከምዝኣመነን፡ ካብ 2015-19 ዘይሕጋዊ ስለያ መንግስቲ ቻይና ኮይኑ ከምዝሰረሓን ነቲ ቤት-ፍርዲ ኣፍሊጡ።

ንሱ፡ ከም ፖሎቲካዊ ኣማኻሪ ኮይኑ ኣገደስቲ ሰነደት ኣብ ምእካብ ምስ ስለያ ቻይና ከምዝሰረሐ ተኣሚኑ።

እዚ ሲንጋፖርያዊ ዜጋ፡ ኣብ 2019 ናብ ኣመሪካ ምስ ኣተወ'ዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ።

እታ ትህደን ዝነበረት ቻይናዊት ተመራማሪት'ከ?

ሓንቲ፡ ብምጥፍፋእ ቪዛን፡ ምስ ወተሃደራዊ መሳርዕ ሃገራ ምትእስሳር ብምሕባእን ዝተጠርጠረት ቻይናዊት ተመራማሪት ምስ ካልኦት ኣርባዕተ ቻይናውያን ኣብ ቀይዲ ኣትያ'ላ።

ንሳ፡ ኣብቲ ኣብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ፡ ካሊፎርንያ፡ ዝርከብ ቆንስላዊ ቤት ፍሕፈት ኤምባሲ ቻይና ተሓቢኣ ከምዝነበረት ተገሊጹ ነይሩ።

ሰብ መዚ ኣመሪካ ብኸመይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘኣተውዋ ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃቡን ዘሎው።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ኣባላት ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት መርመራ (ኤፍ-ቢ-ኣይ) ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ ምስ ሰራዊት ቻይና ኣገልጊላ ከም ዘይትፈልጥ ሓቢራ ነይራ።

እንተኾነ ግና፡ ይብል እቲ ሕጋዊ ሰነዳት ኣብ ቅሉዕ ምንጭታት ብዝተገብረ መርመራ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲና ዘርኢ ስእሊ ተረኺቦም።

ኣብ መንበሪ ገዝኣ ብዝተገብረ ተፍትሽ ድማ፡ ምስ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ቻይና ዘለዋ ርክብ ዝገልጽ ጭብጢ ተረኺቡ።

ንኣመሪካን ቻይናን ዘፋጥጠን ዘሎ ጉዳይ እንታይ

  • ኮሮናቫይስ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን ንኮቪድ-19 "ቫይረስ ቻይና" ብምባል ክገልጾ ጸኒሑ'ዩ። ካብ ሓደ ናይ ቻይና ቤተ ፈተነ ምርምር (ላቦራቶሪ) ዝነቐለ'ዩ ብምባል'ውን ይኸስስ'ዩ፡ ዋላ'ኳ ትካላት ስለያ ኣመሪካ "ሰብ ዝሰርሖ ኣይኮነን" እንተበላ። ብወገን ቻይና'ውን፡ ከም ግብረ መልሲ ናይዚ፡ ብዘይ ዝኾነ ጭብጢ፡ ኮቪድ-19 ካብ ኣመሪካ ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል'ዩ ክብሉ ኣሚቶም ነይሮም።
  • ንግዲ፡ ትራምፕ፡ ቻይና ንኣመሪካ ክትብለጸላ ጸኒሓ ዝብል መግለጺታት'ዩ ክህብ ጸኒሑ። ብስርቂ ፈሊጣዊ ንብረት ኣመሪካ'ውን ይኸሳ'ዩ። በዚ ዝተላዕለ ካብ 2018 ጀሚረን ክልቲአን ሃገራት ኣንጻር ሓድሕደን፡ ናይ ቢልዮናት ዶላራት ቀረጽ (ናይ ኣቚሑት ታሪፍ) ክውስኻ ተራእየን።
  • ሆንግ ኮንግ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ቻይና ንጸጥታ ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ዘለዋ ከተማ ዝምልከት ሓድሽ ሕጊ ምጽዳቓ ንኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ደስ ኣይበለንን። ከም ሳዕቤኑ፡ ነቲ ሆንግ ኮንግ ኣብ ኣመሪካ ዝነበራ ናይ ንግዲ ሓለፋታትን ሕድገታትን ተሰሪዙ። በዚ ዝተቖጠዐት ቻይና ድማ፡ እቲ ስጉምቲ "ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢድ ምእታው'ዩ" ብምባል፡ ሕነ ክትፈዲ ምዃና ኣጠንቂቓ ነይራ።
  • ደቡባዊ ባሕሪ ቻይና፡ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጉዳይ ናይቲ ንብዙሓት ሃገራት ሰላማዊ ውቅያኖስ ዘሰሓሓበ ማያዊ ዞባ 'ሳውዝ ቻይና ሲ' ክሰሓሓባ ጸኒሐን'የን። ኣመሪካ፡ ቻይና ነተን ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ይብጻሓና'ዩ ዝብላ ሃገራት "ክትድህለን" ትፍትን ኣላ ብምባል ትኸስስ። እዩ።