ኣሜሪካ፡ ዝለዓለ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ነበር፡ ንፕረዚደንት ትራምፕ ብትሪ ይነቅፍ

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣመሪካ ዝነበሩ ጀነራላት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቶም ዝካየዱ ዘለዉ ተቓውሞታት ብወታሃደራዊ መንገዲ ክቆጻጸሮም ምፍታኑ ብትሪ ይነቕፉ ኣለዉ።

ኣቦመንበር፡ ሓለቓታት-ስታፍ ዝተፈላለዩ ክንፍታት ሰራዊት ኣመሪካ ዝነበረ፡ ጀነራል ማርቲን ደምፕሲ፡ ንኣካይዳ እቲ ፕረዚደንት፡ "ዘተሓሳስብን" "ሓደገኛን" ክብል ገሊጽዎ።

"ነቲ ዝበዝሐ ሰላማዊ ዝኾነ ተቓውሞታት ንምቁጽጻርን ንምዕፋንን ሰራዊት ምጽዋዕ ዝብል ሓሳብ … ንዓይ ሓደገኛ'ዩ" ይብል እቲ ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ዝነበረ ጀነራል ድምፕሲ።

ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝነበሩ ጀነራላት'ውን ንኣተሓሕዛ እቲ ፕረዚደንት ክቃወሙን ክነቕፉን ይስምዑ ኣለዉ።

እዚ ሕጂ ዘሎ ሚኒስተር ምክልኻል ይኹን፡ ቅድሚኡ ዝነበሩ ካልኦት'ውን ዘለዎም ተቓውሞ ከስምዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

እቲ በቲ ፕረዚደንት ተናኢዱ ጸሓፊ ምክልኻል ክኸውን ተሸይሙ ዝነበረ ጀነራል ጂም ማቲስ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ትራምፕ፡ "ንሓደነትና ዘይሰርሕን፡ ኣብ ክንድኡ ክፈላልየና ይጽዕር" ክብል ተሪር ነቐፌታ ገሊጹ ነይሩ።

ትራምፕ፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ብቕትለት ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተወለዐ ውሱን ጎነጽ ዝተሓወሶ ሰላማዊ ናዕቢ ንምህዳእ ሰራዊት ከዋፍር ምዃኑ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እቲ በቲ ናዕቢ ሰጊኡ ኣብ መሕብኢ ገለርያ ተወሲዱ ዝነበረ ፕረዚደንት፡ በቲ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈቱ (ዋይት ሃውስ) ዝካየድ ዘሎ ንመዓልታት ዝቐጸለ ተቓውሞታት ብምስጋእ፡ ብሓጹር ይኽበብ ኣሎ።