ትዊተር 'ናዕቢ ዝዕድም እዩ' ዝበሎ ጽሑፍ ፕረዚደንት ትራምፕ ሓቢእዎ

ትዊተር፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ትዊተር ዝለጠፎ ጽሑፍ 'ንመምርሒ ትዊተር ብዛዕባ ምውዳስ ናዕቢ' ዝጥሕስ እዩ ብምባል ሸፊንዎ።

ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት [ዋይት ሃውስ] ተመሳሳሊ ጽሑፍ እኳ እንተለጠፈ፡ ትዊተር ተመሳሳሊ ስጉምቲ ከም ዝወሰደሉ ተፈሊጡ።

እንተኾነ ግን እቲ ጽሑፍ ምሉእ ብምሉእ ዘይኮነ ተደምሲሱ፡ ብመጠንቀቕታ ከም ዝሽፈን እዩ ተገይሩ። ነቲ መጠንቀቕታ ሓሊፍካ ምርኣይ ይከኣል እዩ።

ኣብ መንጎ ትዊተርን ዋይት ሃውስን ምስሕሓብ ክርአ ጸኒሑ እዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ብዛዕባ እታ፡ ድሕሪ ሞት ሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ ንተኸታታሊ መዓልትታት ኣብ ዕግርግር እትርከብ ከተማ ሚኒኣፖሊስ እዩ ጽሒፉ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ጽሑፉ፡ ሓይልታት ጸጥታ ክሰድድ ምዃኑን ስርቂ እንተተጀሚሩ ቶኲሲ ከም ዝጅመር ተዛሪቡ።

ትዊተር ካብ መፋርቕ 2019 ጀሚሩ ብዘተኣታተዎ ፖሊሲ፡ ብፍሉጣት ሰባት ዝተለጠፈ ጽሑፍ፡ ንመምርሒታቱ ምስ ዝጥሕስ ኣብ ክንዲ ምድምሳስ ብመጠንቀቕታ ከም ዝሽፈን ክገብር ጀሚሩ።

እንተኾነ፡ እቲ መርበብ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ክሳብ ሕጂ፡ ንዝኾነ ጽሑፍ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ሸፊኑ ወይ ደምሲሱ ኣይፈልጥን እዩ።

እዚ ብትዊተር ዝተወስደ ስጉምቲ ቆራጽነት ዝሓትትን ሓደገኛን ምዃኑን ሓደ በዓል ሞያ እቲ ዓውዲ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ብሪጣንያ ኣባል ማእከል መጽናዕትታት ማሕበራዊ መራኸቢተት ዝኾነ ካርሊ ሚለር ወሲኹ፡ "እዚ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታ ክካየድ ዝጸንሐ ክትዕ 'ብኦንላይን ዝበጽሕ ማህሰይትን ናይ ምዝራብ ናጽነትን' ነዳዲ ዝውስኸሉ እዩ" ኢሉ።

እቲ ኣብ ፌስቡክ ዝተለጠፈ ተመሳሳሊ ጽሑፍ ግና፡ ብዘይ ዝኾነ መጠንቀቕታ ይርአ ኣሎ።