እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጆርጅ ፍሎይድ፡ ድሕሪ ሞት ጸሊም ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ንዝተለዓለ ናዕቢ ንምቁጽጻር ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪካ ተዋፊሩ
ናዕበኛታት ኣመሪካዊት ከተማ ሚንያፖሊስ፡ ንሓደ መደበር ፖሊስ ብሓዊ ድሕሪ ምቅጻሎም፡ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዓሪዶም ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ካብቲ መደበር ክወጹ ተገደዶም።
እቲ ድሕሪ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዝተባህለ ጸሊም ኣመሪካዊ ዝተወለዐ ናዕቢ፡ እናሓየለ ይመጽእ ምህላዉ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ'ሎ።
ካልኦት ህንጻታትን ትካላት ንግድን'ውን፡ ተቓጺሎምን ተዘሚቶምን ኣለዉ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቶም በቲ ቕትለት ተቖጢዖም ተቛውሞታት ዘስምዑ ዘለዉ "ገፋዕቲ" ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ምርግጋእ ክፍጠር እንተዘይኪሉን ዝምታ እንተ ቐጺሉን ንሰራዊት እታ ሃገር ብጥይት ክኣትዎም ክእዝዝ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
መግለጺ ናይቲ ፕረዚደንት'ውን ነቲ ሓዊ መሊሱ ኣጎሃሂርዎ ይርከብ።
ኣብ ሚኒሶታ ከተማ ሚኒያፖሊስ፡ ነቲ ብጻዕዳ ፖሊስ ናይ ዝተቐትለ ጸሊም ኣሜሪካዊ ዝበጽሖ ግፍዒ ንምኹናን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣሜሪካውያን ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ተቓውሞኦም የስምዑ ከምዘለው ተገሊጹ።
ካብ ትማሊ ጀሚሩ፡ ብዙሓት ድኳናት፣ ሱፐርማርኬታት፣ ኣብያተ ጽሕፈት ተዘሚቶምን ዓንዮምን እዮም። ገሊኦም ድማ ብሓዊ ተቓጺሎም።
ናይ ፖሊስ ቤት ጽሕፈት ከይተረፈ በቶም ናዕበኛታት ተኸቢቡ ስለዝነበረ፡ ፖሊስ ነቶም ናዕበኛታት ንምብታን መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ።
"እንታይ ክንገብር ኢኹም ትደልዩና ዘለኹም? ከመይ ኢልና ኢና ነዚ ግፍዒ ክንቃወም ነይሩና? ይቐትሉና ኣለው" ክብል ሓደ ስለ ምንታይ ንብረት ተዕንው ተባሂሉ ዝተሓተተ ተቓዋሚ ተዛሪቡ።
ብሰኑይ፡ ንብዙሓት ዘሕዘነን ዘቖጥዐን ቕትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዘርኢይ ቪድዮ ምስ ተዘርግሐ፡ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ እቲ ተቓውሞ እናወሰኸ ስለ ዝመጽአ፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣሜሪካ ናብ ከተማ ሚኒያፖሊ ክኣቱንን ነቶም ተቓውሞታት ክቆጻጸርን ተኣዚዙ ኣሎ።
ወዲ 46 ዓመት ፍሎይድ፡ ብሰኑይ ክሳዱ ብሓደ ፖሊስ ተረጊጹ እናተሳቐየ ሞይቱ።
እዚ ዘርኢ ምስሊ ብማሕበራዊ ሚዲያ ዝተዘርግሐ ኮይኑ፡ "በጃኻ ክትንፍስ ኣይክኣልኩን፣ ኣይትቕተለኒ" እናበለ ክምሕጸን ይስማዕ። ጆርጅ ፍሎይድ፡ ዝኾነ ዓይነት ብረት ኣይሓዘን ነይሩ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ቺካጎ፣ ሎስ ኣንጅለስን ሜምፊስን ነዚ ዝኹንኑ ሰልፊታት ተቓውሞ ተኻይዶም።
ጸዓዱ ፖሊስ ኣሜሪካ፡ ብዘየዐግብ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ዝወስዱዎ ስጉምቲ፡ ካብ ቀረባ ዓመታት ንነጀው ክውስኽ ከምዝተራእየ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ቀረባ ጊዜ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ጆርጂያ ኣሕመድ ኣርበሪ፣ ኣብ ኬንታኪ ድማ ብሬኖና ቴይለር ዝተባህሉ ውልቀሰባት ብጻዕዳ ፖሊስ ተቐቲሎም እዮም።
ኣብ ሚኒያፖሊስ ዝተላዕለ ተቓውሞ ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ስለ ዝኾነ፡ ከንቲባ እታ ከተማ ብመሰረት ዘቐዕረቦ ሕቶ፡ ኣመሓዳሪ ሚኒሶታ ቲም ዋልትዝ፡ ፍሉይ ሓይሊ ናብቲ ከባቢ ክኣቱ ኣፍቂዱ'ሎ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ብምኽንያት እቲ ተቓውሞ ስርቅን ምዕናው ንብረትን ወሲኹ እዩ።
"ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ናብ ዕንወትን ስርቅን ክወስደና ኣይግባእን። ኣብ ኣሰራርሓን ስርዓትን ፍትሕን ለውጢ ክመጽእ ግን ክንሓትት ይግባእ" ዝብል መልእኽቲ ድማ ንነበርቲ ኣሕሊፉ።
ምስ ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ብዝተሓሓዝ፡ እቲ ብእግሩ ኽሳዱ ዝሓነቖ ፖሊስ ሓዊሱ ካልኦት ሰለስተ ተሓባበርቱ ካብ ስርሖም ተባሪሮም'ዮም።
ብ2014፡ ኣብ ኒውዮርክ ኤሪክ ጋርነር ዝተባህለ ጸሊም ኣሜሪካዊ፡ ብተመሳሳሊ ፖሊስ ክሳዱ ረጊጹ ምስ ሓነቖ ትንፋስ ሓጺሩዎ ብምሟቱ፡ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ቑጥዐ ተላዒሉ ነይሩ።
ኤሪክ ብተመሳሳሊ፡ ቅድሚ ምሟቱ ነቲ ፖሊስ ይምሕጸኖ ነይሩ። ድሕሪኡ "ህይወት ጸለምቲ ኣገዳሲ እዩ" ዝብል ጎስጓስ ክካየድ ምኽንያት ኮይኑ ነይሩ።
ሕጂ ድማ፡ ኣብ ከተማታት ኣሊኖይስ፣ ሎስ ኣንጅለስ፣ ካሊፎርኒያን ቴኔሲን ብርቱዕ ተቓውሞ ይካየድ ከምዘሎን፡ "ክትንፍስ ኣይክኣልኩን፡" ዝብል ጭርሖ በርቲዑ ኣሎ።