እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ኣሜሪካ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ጠጠው ንምባል ሰራዊት ክልእኽ'የ ኢሉ
ፕሬዝደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣመሓደርቲ ከተማታትን ግዝኣታትን ኣሜሪካ፡ ነቲ ንመዓልታት ዝቐጸለ ተቓውሞ ክቆጻጸርኦ እንተዘይክኢለን፡ ወተሃደር ልኢኸ ጠጠው ከብሎ እየ ኢሉ።
እቲ ፕሬዝደንት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሓደርቲ "ድሕነት ነበርቲ ክተውሕሱ እንተዘይክኢልኩም፡ ኣነ ክገብሮ እየ" ኢሉ።
በዚ መገዲ፡ ነቲ ንመዓልታት ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ስርዓት ከትሕዞ እየ ክብል'ውን ተሓንዩ።
ወዲ 46 ዓመት ጆርጅ ፍሎይድ፡ ብግፍዒ ፖሊስ ምስ ተቐትለ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኣሜሪካ ከቢድ ናዕቢ ከም ዝተልዓለ ይፍለጥ።
እዚ፡ ካብ ሜኔሶታ ከተማ ሚኒያፖሊስ ዝጀመረ ናዕቢ፡ ናብ ካልኦት ግዝኣታትን ከተማታትን ኣሜሪካ ልሒኹ፡ ብዙሓት ነገራት ካብ ቑጽጽር ፖሊስን መንግስትን ወጻኢ ኮይኖም እዮም።
መብዛሕትአን ከተማታት ኣሜሪካ፡ ሰዓት እቶ እቶ እንተኣወጃ'ውን፡ ተቓወምቲ ግን ነዚ ኣየድሃቡሉን።
እቲ ንጆርጅ ፍሎይድ ብእግሩ ኽሳዱ ሓኒቑ ዝቐተሎ ፖሊስ ድሬክ ቻቪን፡ ብገበን ቕትለት ተኸሲሱ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ። ካልኦት ሰለስተ ፖሊስ ድማ ካብ ስርሖም ተሰጒጎም።
ትራምፕ ዝበሎ
ፕሬዝደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ 'ሮዝ ጋርደን' ኣብ ዝተባህለ ሰውሒ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ እዩ መግለጺ ሂቡ።
ንሱ መግለጺ ኣብ ዝህበሉ እዋን፡ ተቓወምቲ ንምብታን ፖሊስ መንብዒ ትኪ እናተጠቐሙን ተኩሲ'ውን ይስማዕ ነይሩ።
"በቲ ዝተፈጸመ ነገር ኩሉ ኣሜሪካዊ ሓዚኑ እዩ። ይኹን'ምበር ሞት ጆርጅ ፍሎይድ ምኽንያት ናዕብን ዕግርግርን ክኸውን የብሉን" ኢሉ።
ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ንዘጋጥም ዘሎ ስርቂ ድማ፡ "መሕፈሪ" ክብል ኮኒኑዎ።
እዚ ናዕብን ዕግርግርን ጠጠው እንተዘይኢሉ፡ "ብኣሽሓት ዝቑጸር ክሳብ ኣፍንጭኡ ዝተዓጠቐ ወተሃደር፣ ሓይሊ ምክልኻልን ኣኽበርቲ ሕግን ኣውፊረ ሕግን ስርዓትን ክኽበር ክገብር እየ" ክብል ድማ ተሓንዩ።
ኣመሓደርቲ እተን ከተማታትን ግዝኣታትን ነዚ ዝርኣይ ዘሎ ኩነታት ክቆጻጸርኦ እንተዘይክኢለን፡ እቲ መፍትሒ ሰራዊት ምልኣኽ ክኸውን እዩ'ውን ኢሉ።
ይኹን'ምበር፡ ሕጹይ ዴሞክራት ጆ ባይደን ድሕሪ እዚ መግለጺ ተቓውምኡ ገሊጹ።
"ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣሜሪካ ሰራዊት ክልእኽ እየ ምባል፡ ታይ ዝብሉዎ ዕብዳን እዩ?" ክብል ንዘረባ ትራምፕ ኣነኣኢሱዎ።
ኣባል ባይቶ ቸክ ሹመር ብወገኑ፡ "እዚ ፕሬዝደንት ኢሉ ኢሉ እምበር ወሪዱ፤ ዘረብኡ እኮ መንነቱ እዩ ዝነግረና" ዝብል ነቐፌታ ኣስሚዑ።
ትራምፕ፡ ነዚ ተቓውሞ ጠጠው ንምባል ወተሃደራት ክልእኽ እየ ምባሉ፡ ሚዲያታት'ውን እዩ ዘካትዕ ዘሎ።