እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መረፃ ትግራይ ዝወዳደሩ ፖለቲካዊ ውድባት ክምዝገቡ ጻውዒት ቀሪቡ
ኣብቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ክልላዊ መረጻ ክወዳደሩ ዝደልዩ ውድባት ፖለቲካን ውልቀ ተወዳደርትን ክምዝገቡ ቤት ጽሕፈት ኮምሽን መረፃ ትግራይ ጸዊዑ።
ብመሰረት እቲ ፃውዒት፡ እቶም ተወዳደርቲ ካብ ፅባሕ ሰሉስ ክሳብ ሓሙስ ክምዝገቡ ከምዝኽእሉ ኮምሽነር ኮምሽን መረፃ ትግራይ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ንቢቢሲ ገሊጹ።
መዓልቲ መረፃ ዛጊድ ዘይተወሰነ ኾይኑ፡ ምስቶም ኣብቲ መረፃ ንምስታፍ ዝምዝገቡ ውድባት ፖሊቲካ ተዛቲኻ ከምዝውሰን መምህር ሙሉወርቅ ወሲኹ ሓቢሩ።
በቲ ቀዲሙ ብሃገር ለኸ ወጺኡ ዝነበረ መደብ መረጻ መሰረት፡ እቲ ክልላዊ መረጻ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ እዩ ትጽቢት ዝግበረሉ።
ሻዱሻይ ዙርያ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዘይተፈለጠ እዋን ከምዘስተናወሐ ዝዝከር ኮይኑ፡ ነቲ ውሳነ ዝተቓወመ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ክልሉ መረጻ ከካይድ ምውሳኑ ዝፍለጥ እዩ።
ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እታ ገሃር፡ ዕድመ ስልጣን ናይቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፌደራላዊ መንግስቲ ይኹን፡ ክልላዊ መንግስታት፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መስከረም ከብቅዕ'ዩ።
ይኹን እምበር፡ ምስ ምንዋሕ ሃገራዊ መረጻ ብዝተኣሳሰር ዝተፈጥረ ሕገመንግስታዊ ቅልውላዉ ንምፍታሕ፡ ቤት ምኽሪ ፌደራል፡ ንዕደመ ስልጣኖም ክናዋሕ ብምውሳኑ፡ክሳብ ኮሚሽን መረጻ ኢትዮጵያ መዓልቲ ዝውስን ኣብ ቦትኦም ክቕጽሉ'ዮም።
ገዛኢ ፓርቲ ክልል ትግራይ ዝኾነ ህወሓት ግን፡ እቲ ውሳነ፡ንሕገመንስቲ ዘፍርስን ዘይሕጋውን ክብል ብምቅዋም፡ ንለበዳ ኮደድ-19 ኣብ ግምት ዘእተወ ክልላዊ ምርጫ ክካየድ ወሲኑ።
ሓያሎ ተቓወምቲ ፓርትታት'ውን፡ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ፌደራል ከምዝቃወምዎ ብምግላጽ፡ ድሕሪ ወርሒ መስከረም መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ሕጋዊ ኣይኮነን ክብሉ ጸኒሖም'ዮም።
እንተኾነ ግን፤ ኣብኡ ከይበጽሑ መብዛሕትኦም ነቲ መርገጺ ዝሓዙ መራሕቲ ናይተን ሰለፍታት፡ ምስዚ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ቅትለት ውሩይ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ዝተላዕለ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለዉ።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ምርጫ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል፡ ከሳልጦ ሓላፍነት ከምዘይብሉ ድሕሪ ምግላጹ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ፡ ናይ ባዕሉ ክልላዊ ኮሚሽን መረጻ ከም ዘቖመ ይዝከር።