'ትራምፕ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሓገዝ ቻይና ሓቲቱ' ጆን ቦልተን

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንምዕዋት ደገፍ ፕረዚደንት ቻይና ዚ - ዢፒንግ ከምዝሓተተ ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ነበር ጆን ቦልተን ኣብ ዝጸሓፎ ሐዲሽ መጽሓፍ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ፡ ትራምፕ፡ ቻይና ካብ ኣመሪካውያን ሓረስቶት ፍርያት ሕርሻ ክትገዝእ ከምዝሓተታ ተገሊጹ።

ቦልተን፡ "ትራምፕ ንቤት-ጽሕፈት ዋይት ሃውስ ብኸመይ ከምዘካይድ እኹል ሓበሬታ ይጎድሎ ነይሩ" ክብል'ውን ጽሒፉ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ እቲ መጽሓፍ ንኸይሕተም ጻዕርታት ይገብር ከምዘሎ'ውን ተገሊጹ።

እቲ መጽሓፍ ከይሕተም ክዕገት ይኽእል'ዶ?

ጆን ቦልተን፡ (The Room Where It Happened') እቲ ጉዳይ ዝተፈጸመሉ ገዛ፡ ዘርእስታ ኣስታት 577 ገጻት ዝሓዘት መጽሓፍ ንሰነ 23 ንመሸጣ ከቕርባ እዩ።

ትማሊ ሓሙስ ግን፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ እታ መጽሓፍ ከይተዘርገሓት እንከላ ጠጠው ከብላ ካብ ቤት-ፍርዲ ፍቓድ ሓቲቱ'ሎ።

እቲ ቤት-ማሕተም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ተግባር "ርዝነት ዝጎደሎን፡ ፖሎቲካዊ ድርኺት ዘለዎን፡ ከንቱ ተግባር" ክብል ገሊጽዎ።

እንተኾነ፡ ቅዳሕ እቲ መጽሓፍ ድሮ ብኣሽሓት ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ስለዘሎ፡ እዚ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ወላ ሓንቲ ውጽኢት ኣይክህልዎን ይብል እቲ ቤት ማሕተም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትራምፕ ንማዕከን ዜና ፎክስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ጆን ቦልተን ሕጊ ጥሒሱ፡ ፍቃድ ዘይተዋህቦ ምስጢራዊ ሓበሬታ ኣካቲቱ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ነበር ጆን ቦልተን፡ ምስ ትራምፕ ክቃዶ ስለዘይከኣለ ኣብ መስከረም 2019 ካብ መዝነቱ ብድልየቱ ከምዝወረደ ይገልጽ።

ትራምፕ ግን ክንሰማማዕ ስለዘይከኣልና ካብ ስርሑ ኣባሪረዮ ክብል ተዛሪቡ።

ቅዳሕ እቲ መጽሓፍ ድሮ ብኣሽሓት ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሑ ከምዘሎን፡ እዚ ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ወላ ሓንቲ ውጽኢት ኣይክህልዎን እዩ ኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ትራምፕ ንማዕከን ዜና ፎክስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ጆን ቦልተን ሕጊ ጥሒሱ። ፍቃድ ዘይተዋህቦ ምስጢራዊ ሓበሬታ ኣለዎ" ክብል ተዛሪቡ።

ኣማኻሪ ጉዳያት ጸጥታ ነበር ጆን ቦልተን፡ ምስ ትራምፕ ክቃዶ ስለዘይከኣለ ኣብ መስከረም 2019 ካብ መዝነቱ ብድልየቱ ከምዝወረደ ይገልጽ።

ትራምፕ ግን ክንሰማማዕ ስለዘይከኣልና ካብ ስርሑ ኣባሪረዮ ክብል ተዛሪቡ።

ርክብ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ዚ-ዢፒንግ

እቲ ዝወጽእ ዘሎ ክስታት፡ ፕረዚደንት ትራምፕን ዚ-ዢፒንግን፡ ኣብ ጃፓን ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጂ-20 ኣብ ዝተራኸቡሉ እዋን እዩ ኣጋጢሙ።

ኣብቲ እዋን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንዚ-ዢፒንግ፡ ቻይና ውጽኢት ሕርሻ ኣመሪካውያን ሓረስቶት ክትገዝእን ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንኽዕወት ክተሓባበርን ከምዝተማሕጸኖ ቦልተን ይገልጽ።

ሽዑ ፕረዚደንት ዚ-ዢፒንግ፡ ቻይና፡ ምህርቲ ሓረስቶት ኣመሪካ ክገዝእ ከምዝተሰማመዐ ይዛረብ። ንፕረዚደንት ትራምፕ ድማ "ኣብ ታሪኽ ቻይና እቲ ዝዓበየ መራሒ" ክብል ገሊጽዎ።

እንተኾነ ግን፡ እዚ ብጆን ቦልተን ዝተዋህቦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ''ፍጹም ከምዘይነበረ'' ወኪል ሓላፊ ንግዲ ኣመሪካ ገሊጹ'ሎ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላ፡ ኣብ እዋን ናይ ድራር እንግዶት፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ቻይና፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል እታ ሃገር፡ መዳጎኒ ዊገር ዝበሃሉ ኣስላም መዓስከር ክትሃንጽ ከምዘፍቀደሉ ቦልተን ይዛረብ።

ቻይና፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ኣመንቲ ምስልምና ዓሌት ዊገር ብዘይ ፍርዲ ኣሲራ ከምዘላን፡ ኣብ ሓደ ናይ ተሃድሶ መደበር ተታሒዞም ከምዘለውን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይነቕፉ።

እንተኾነ መንግስቲ ቤይጂንግ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ብምኽሓድ፡ ገለ ናይ ሃይማኖት ጥሩፋት ንተሃድሶ ተታሒዞም ከምዘለዉ'ዩ ዝሕብር።ምክትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር፡ ሕጹይ ሰልፊ ዲሞክራቲክ ጆ ባይደን፡ "እዚ ብጆን ቦልተን ዝተዋህበ ዝርዝር ሓቂ እንተኾይኑ፡ ኣመና ዘፈንፍን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ብህዝቢ ኣመሪካ ዝተዋህቦ ቅዱስ ግዴታ ዝጥሕስ እዩ'' ክብል ተዛሪቡ።