ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ጋምብያ ነበር ክህገር'ዩ

ኣብ ሜሪላንድ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ መንበሪ ገዛ ፕረዚደንት ጋምብያ ነበር፡ ብላዕ ብምቕባልን ከምኡ'ውን ካብ ናይ ህዝቢ ገንዘብ ብምስራቕን ዝሸመቶ ንብረት ምዃኑ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ዝወጽኣ ሰነዳት፡ እቲ ፕሪዚደንት ነበር ነቲ ንብረት ብ3.5 ሚልዮን ዶላር ከም ዝገዝኦ ይግለጽ።

እቲ ንብረት ቅድሚ 10 ዓመት ብመገዲ ሰበይቱ ከምዝተሸመተ'ውን እቶም ሰነዳት ይሕብሩ።

ኣብዚ እዋን፡ እቲ ንብረት ብመንግስቲ ኣመሪካ ከም ዝተሓዝ ምኒስትሪ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ያሕያ ጃምህ፡ ኣብ እዋን ስልጣኑ ኣስታት 281 ንብረት ከም ዘጥረየን ከምኡ'ውን ከባቢ 100 ናይ ውልቂ ሓሳብ ባንክን ከም ዝነበሮ ጸብጻባት ይሕብሩ።

ያሕያ ጃምህ፡ ኣብ 2016 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተሳዒሩ እንከሎ ስልጣኑ ምርካብ ብምእባዩ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ክእለ ከም ዝተገብረ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ኣብ ስደት ይነብር ኣሎ።

እዚ ፕረዚደንት ነበር፡ ኣብ 2018 ምስ ስድራቤቱ ናብ ኣመሪካ ከይኣቱ ተኣጊዱ ምንባሩ ይፍለጥ።

ንምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ጋምብያ ን22 ዓመት ዝመርሐ ያሕያ ጃምዕ፡ ናብ ኣመሪካ ከይኣቱ ዝተኸልከለሉ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ስልጣን እንከሎ ብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ፈጺሙ ብዝብል እዩ ነይሩ።

ያሕያ ጃምዕ፡ ኣብ 1994 እዩ ብዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ደይቡ።