እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተጋሩ መንእሰያት ብዛዕባ ክልላዊ ምርጫ እንታይ ይብሉ?
ትግራይ ክልላዊ መረጻ ንምክያድ ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ኮሚሽን መረጻ ኣጣይሻ'ላ። እቲ ዝቖመ ኮሚሽን ኣብቲ መረጻ ክሳተፉ ዝደልዩ ኣካላት ንክምዝገቡ ንሰለስተ መዓልቲ ዘቕረቦ ጻውዒት ትማሊ ሓሙስ ተዛዚሙ።
እቲ ዝካየድ 6ይ ክልላዊ መረጻ ብወገን ፌደራል መንግስቲ ኣፍልጦን ተቐባልነትን ከምዘይህልዎ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ ትግራይ ነቲ መረጻ ክተካይዶ ዝቖረጸት ትመስል።
ኣብዚ እዋን ህወሓት ዝርከቦም ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ተወዳደርቲ ውድባት ፖለቲካ ኣብቲ መረጻ ንምስታፍ ድልውነቶም እንተገለጹ'ውን ዓረናን ትዴፓ [ትግራይ ደሞክራሲያዊ ፓርቲ] ግን ከምዘይሳተፉ፡ ብወግዒ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ መርገጺ'ውን ብውሱን መልክዑ ኣፈላላይ ዘሎ ይመስል። እቲ ዝበዝሕ ነቲ ምርጫ 'ዲሞክራሲያዊ መሰልና'ዩ' ብዝብል ክቕበሎ እንከሎ፤ ገለ ድማ ኣይፋል ክካየድ የብሉን ዝብል መርገጺ ዝሓዙ ኣይተሳእኑን።
ሕገ-መንግስቲ ዘቐመጦ መሰል ዝኽበረሉ እምበር ሕጊ ዝጠሓሰ ኣይኮነን ይብሉ ገለ ካብ ዘዘራረብናዮም ወሃብቲ ርእይቶ። ህወሓት ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዘዳለዎ ምርጫ ከምዝኾነ ዝገለጸልና'ውን ኣሎ።
ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ስራሕ ንግድን ቱሪዝምን ትነጥፍ ወይዘሪት ብርኽቲ ሃይለ፡ መረፃ ክካየድ ኣለዎ ትብለሉ ምኽንያት "ሕገ-መንገስቲ ዝሃበ መሰል ክትጥቀመሉ ስለትደልይ ከምዝኾነ ትገልፅ።
"ብዝመረጽክዎ ኣካል ክመሓደር ድልየት ኣለኒ። ብተወሳኺ'ውን ኣብ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ጽቡቕ ሃዋህው ኣሎ። ሓያላት ተወዳደርቲ ውድባት ይመጽኡ ኣለው። ስለዚ ንሳቶም እውን ኣብ ባይቶ እቲ ክልል ቦታ ንክረኽቡ ናይ ግድን መረጻ ክግበር ኣለዎ ኢለ እየ ዝሓስብ" ትብል።
እቲ መረጻ ብደረጃ ሃገር ክግበር ነይርዎ፤ እዚ ክኸውን ካብ ዘይክኣለ ግን፡ ክልላት፡ መረጻ ከዳልዋ እቲ ሕገ-መንግስቲ ዝሃበን መሰል ኣሎ። ነቲ መሰል ድማ ክንጥቀመሉ ይደሊ። ምኽንያቱ እቲ ሕገ-መንግስቲ ንክመጽእ ዝተኸፈለ ዋጋ ስለዘሎ እቲ ዋጋ ከንቱ ክተርፍ የብሉን ትብል ወይዘሪት ብርኽቲ፡ ስለዚ እቲ መረጻ ክግበር ኣለዎ ዝብል መርገፂ ኣለዋ።
ኣብዚ እዋን ብሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ስለዘለና ኣድላይ ጥንቃቐ ብምግባርን ናይ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮ ብምውሳድን መረጻ ምክያድ ይከኣል ትብል ወይዘሪት ብርኽቲ፡ ንኮሮናቫይረስ ካብ ምክልኻል ብተወሳኺ ግን እቲ መረፃ ዲሞክራሲያዊ፣ ፍትሓውን ግልጽነት ዝተመልኦ ክኸውን ትፅቢት ትገብር።
ህወሓት ብመረጻ ክወድቕ እዩ ዝብል እምነት የብለይን ህዝቢ ንምሓዝ ዝጥቀሙሉ ሜላ እምበር ብትኽክል ስርዓት ክልወጠሉ ዝኽእል ዲሞክራሲያዊ መረፃ ሃልዩ ህወሓት ዝወድቀሉ ኩነታት ክህሉ እዩ ኢለ ኣይጽበን ዝብል ነባሪ ከተማ ኣዲስኣበባን ተወላዲ ተምቤንን ኣይተ መብራህቱ ሃይሉ ድማ፡ እቲ ብብርኪ ሃገር ዝካየድ መረፃ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምንውሑ ትኽክል እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
"መን'ዩ ኸ ኣብቲ መረፃ ክሳተፍ? ኣብ ትግራይ ዝርከባ ውድባት ኩለን ክጽረፋ እየን ዝውዕላ። ኣባላተን እውን ይውቅዑን ይእሰሩን እዮም ዘለዉ። እሞ ደኣ፡ መን ምስ መን'ዩ ክወዳደር? ንኻልኦት ፖለቲካዊ ውድባት እናኣሰርካ ዝግበር መረጻ ጸዋታ እዩ ዝኸውን" ይብል።
ሕገ መንግስቲ'ውን መረጻ ናይ ፌደራል ቦርድ መረጻ ስልጣን ከምዝኾነ እዩ ዝገልጽ። ሓንቲ ክልል ድማ እቲ ቦርድ ፍቓድ ክሳብ ዘይሃባ ብናይ ባዕላ ድልየት ክተካይድ ኣይትኽእልን ዝብል ኣይተ መብራህቱ፡ ቦርድ መረጻ ሕጋዊ መስርሕ ንክኽተሉ መረጻ ንክናዋሕ ወሲኑ እንከብቅዕ ካብ ፍቓድ እቲ ቦርድ ወጻኢ ክልላዊ መረጻ ምክያድ ግቡእ ኣይኮነን ይብል።
"ምናልባት ነቲ መረጻ ክነካይድ ኢና ብዝብል ጸኒዖም እንተቐጺሎም፤ "ክነካይድ ኢና ኣይተካይዱን" ብዝብል ዝፍጠር ጉዳያት ክህሉ ይኽእል እዩ ዝብል ኣእተ መብራህቱ፡ ኣብዚ ሞንጎ ፌደራል መንግስትን ትግራይን ብዝህሉ ምፍጣጥ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጉድኣት ከይበጽሕ ስግኣት ከምዘለዎ ገሊፁ።
ነባሪ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ በዓል ሞያ ፊልምን ነጋዳይን ሙሉብርሃን ማሾ ድማ፡ መረጻ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ቅዋም ከምዘለዎን፡ ነዚ ዝኽልክል ምኽንያት ከምዘየለን ይገልፅ።
"ኣነ ብስርዓት ክምራሕ እየ። እቲ ሕጊ ዘቐመጦ ኣካይዳ ክኸይድ እየ፤ ህዝቢ ይቕበለኒ እንተሃልዩ ክቕጽል እንተዘይኮይኑ ድማ እቲ ዝሓሸ ዕድል ይርከብ" ይብል፡ ነቲ መንግስቲ ትግራይ መረጻ ንምክያድ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብምንኣድ።
መረጻ በብሓሙሽተ ዓመት ክካየድ ከምዘለዎ ኣብ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጠ ነገር ኣሎ። ንሱ ኣብ ዘይኸውን ከኣ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት ከምዘሎ ዝገልፅ ኣይተ ሙሉብርሃን፡ ኣብ ግዘ መረጻ በጺሕካ ኮሮናቫይረስ ከም ዓንቃፊ ምቕማጥ ግቡእ ኣይኮነን ዝብል ቅዋም እዩ ዘለዎ።
"ኩሉ ምንቅስቓሳት እናተገብረ እዩ። ንኣብነት መንግስቲ ፌደራል ኣኼባታት የካየድ፤ ዝደለይዎ ምንቅስቓሳት መንግስቲ ይግበር ኣሎ። ተኣኪቦም'ውን ይውዕሉ ኣለዉ። ኣብ መረጻ በጺሓ ደኣ እንታይ ተኣምር ኣርእያ?
ስለዚ እቲ ክግበር ዝግብኡ ብሰብ ሞያ ዝወሃብ ማዕዳታት እናፈጸምካ እንተተኻይዱ ንመረጻ ዝዕንቅፈሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት ኣይረኣየንን" ይብል።
ብርግጽ "ከምዚ እንተገይርካስ ኣነ ከኣ ከምዚኣ ክገብር እየ" ዝብል ሓይሊ ኣብ ዙርያኻ ከቢቡካ ክትንቀሳቐስ ከለኻ ዝፈጥረልካ ስግኣታት ኣሎ። ኮይኑ ግን መረጻ ምክያዱ ንዓይ ጽቡቕ ስምዒት እዩ ዝፈጥረለይ። ስለዚ ድምጸይ ብምሃብ ክሳተፍ ተዳልየ ኣለኹ" ብምባል ኣብ መስርሕ መረጻ ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ዝቐርቡ ናይ ሓሳብ ምልልሳት ነቲ ህዝቢ ዘንቅሑ ከምዝኾኑ ይገልፅ።
"እቲ ቀንዲ ጉዳይ 'እከለ ተዓዊቱ እከለ ተሳዒሩ' ዝብል ኣይኮነን። ነቲ ገዛኢ ውድብ ከምህሩ ዝኽእሉ ሓሳባት እውን ካብቶም ተቓወምቲ ውድባት ክቐርብ ይኽእል እዩ። ኣንደበት ስለዝኽፈት ጽቡቕ ዕድል እዩ" ዝብል ኣይተ ሙሉብርሃን፡
ኣረኣእያኡ ብዘየገድስ፡ ዝኾነ ይኹን ንህዝቢ ክሳብ ዘይጎድአ ድላዩ ሜዳ ክወሃቦ ይግባእ። መርገጺኡን እምነቱን ህዝቢ ባዕሉ ክመምዮ እዩ ብምባል ሓሳቡ ይዛዝም።