ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ምርጫ ከካይድ ንዘቕረቦ ሕቶ ነጺግዎ

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ [ምርጫ] ኢትዮጵያ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ 6ይ ዙር ምርጫ ከካይድ ንዘቕረቦ ሕቶ ነጺግዎ።

እቲ ቦርድ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምርጫ ክካየድ ንምውሳን ኮነ ንምፍጻም "ሕጋዊ መሰረት የብሉን" ኢሉ።

"ባይቶ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ምርጫ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ውሳነ ኣፍልጦ ክህቦን ከካይደሉን ንዘቕረቦ ሕቶ ከም ዘይተቐበሎን፡ ዝጠለቦ ሓይሊ ሰብ፡ ሎጂስቲክስን ቀረብ ኣቚሑን ዝህበሉ ሕጋዊ ኣገባብ ከም ዘይብሉን የፍልጥ።"

ባይቶ ናይቲ ክልል ብመሰረት ሕገመንግስቲ ብደረጃ ክልል ምርጫ ኣብ ግዚኡ ክካየድ ምውሳኑ ይዝከር።

እቲ ኣብ ዝመጽእ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዘይተወሰነ እዋን ተወንዚፉ ይርከብ።

ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር፡ ዕድመ ስልጣን መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ መስከረም ከብቅዕ'ዩ ዝግበኦ ነይሩ።

ብ31 መጋቢት፡ ሃገራዊ ቦርድ፡ ነቲ ምርጫ ኣብቲ ዝተመደበሉ እዋን ከካይዶ ከም ዘይክል ሓቢሩ።

ታሕተዋይ ባይቶን ቤት ምኽሪ ፈደራልን ብወገኖም ዕድመ ስልጣኖም ክናዋሕ ምውሳኖም ይዝከር።

እቲ ምርጫ፡ ኩነታት ናይቲ ለበዳ ኣብ ተሕቲ ምቁጽጻር ድሕሪ ምእታዉ፡ ካብ 9 ክሳብ 12 ኣዋርሕ ኣብ ዘሎ እዋን ክካየድ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ከም ዝወሰነ ይዝከር።

ውድብ ህወሓት፡ ናይቲ መረጻ ምንዋሕን ሕገመንግስታዊ ትርጓመ ብዝብል ኣምር ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዘሕለፎ ውሳነ ኣይተቐበሎን።

እዚ ናይ ሎሚ ውሳነ ነቲ ኣብታ ሃገር ዝምዕብል ዘሎ ቅዋማውን ፖለቲካውን ውጥሪ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ከዕርጎ ከም ዝኽእል ይግመት።