እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ማልታ ካብቶም ካብ ባሕሪ ዘድሓነቶም ስደተኛታት እቶም 65 ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም
ማልታ ካብቶም ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዘድሓነቶም 94 ስደተኛታት፡ እቶም 65 ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦም ሓቢራ።
እቶም ስደተኛታት፡ ካብ መርከብ ውርድ ምስ በሉ መርመራ ከምዝተገበረሎምን፡ እቶም 20 ነጻ ኮይኖም ክጸንሑ እንከለዉ፡ እቶም 65 ግን ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ጸኒሖም፤ ናይ ትሽዓተ ሰባት ውጽኢት ድማ ይጽበዩ ከምዘለዉ፡ መንግስቲ ማልታ ገሊፁ።
እቶም ካብ ሊብያ ዝተበገሱ ስደተኛታት፡ ዜጋታት ኤርትራ፣ ሞሮኮን ሱዳንን ኮይኖም፡ ኣብ ባሕሪ 30 ሰዓታት ድሕሪ ምግባሮም፡ እታ ዝተሰቐልዋ ጃልባ ማይ ከተእቱ ምስ ጀመረት እዮም፡ ብሓለዋ ባሕሪ ማልታ ድሒኖም።
እዞም ስደተኛታት፡ ኣብ ማልታ ኣብ ዝርከብ መወሸቢ ማእከላት ክጸንሑ ምዃኖም፡ መንግስቲ እታ ሃገር ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጥዕና ማልታ፡ “ብባሕሪ ዝመጽኡ ስደተኛታት ብቀጥታ ን14 መዓልታት ኢና ንውሽቦም፡ እቶም ኮሮናቫይረስ ዝተረኸቦም ንፈልዮም፤ እቶም ዝተረፉ ድማ ምክትታል እናገበርና ነጽንሖም” ኢሉ።
እዞም ካብ ሊብያ ዝተበገሱ ስደተኛታት፡ እታ ተሰቒሎማ ዝነበሩ ጃልባ ማይ ከተእቱ ምስ ጀመረት፡ ምልክት ሓደጋ ምስ ገበሩ እዮም፡ መርከብ ህይወት ኣድሕን ሓለዋ ባሕሪ ማልታ ከተድሕኖም ክኢላ።
እቲ ሚኒሰትር ጥዕና ማልታ ብምስዓብ “እዞም ጉጅለ ብሓባር እዮም ናብ ማልታ መጺኦም፡ ቅድሚ ምምርማሮም’ውን፡ ምስ ኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ጥራይ እዮም ተራኺቦም” ብምባል፡ ንነብርቲ ማልታ ሻቕሎቶም ከፍኩስ ክኢሉ ኣሎ።
ነዞም ሕጂ ብኮሮናቫይረስ ምልካፎም ዝተረጋገጸ 65 ስደተኛታት ሓዊስካ፡ ኣብ ማልታ 99 ተሓከምቲ ኮቪድ 19 ከምዘለዉ’ዩ ዝፍለጥ።
እታ ኣብ መጋቢት 7 ናይ መጀመርታ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ዝረኸበት ማልታ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ 52 ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ረኺባ ነይራ። እዚ ናይዞም ስደተኛታት ቁጽሪ ግን፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበዝሐ መልከፍቲ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ኣብ ማልታ ክሳብ ሕጂ፡ ትሽዓተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም።
ኣብ ሃገራት ኣውሮጳ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝልዓለ ጠሪዚ በጺሒሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ እታ 450,000 ነበርቲ ዘለውዋ ማልታ፡ ምሉእ ዕጽዋ ብምእዋጅ፡ ዋላ ንሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ወደባታን ዶባትን ዓጽያቶ’ያ ጸኒሓ።