መሓመድ ኣደም፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ካብ ስደተኛታት ብህይወት ዝተረፈ እንኮ ኢትዮጵያዊ

"ዓሰርተ ሓሙሽተ ኢና ነይርና፡ ኣነ በይነይ ድሒነ" ይብል መሓመድ፡ ኣብታ ዝደቀሰላ ናይ ሆስፒታል ዓራቱ ኮይኑ። ሕጂ ኣብ ማልታ እዩ ዘሎ።

ንባሕሪ ሜዲትራንያን ኣቋሪጾም፡ ካብ ሊብያ ንኤውሮጳ ክሰግሩ፡ ነፍሰወከፍ እቶም ስደተኛታት 700 ዶላር እዮም ንሰምሳሪ ከፊሎም።

ኣብ ማእከል ባሕሪ፡ ጃልበኦም ነዳዲ ወዲኣ። ካብኡ ከኣ፡ ቀለቦም ጸንቂቖም። ብድሕሪኡ፡ ማይ ተቓቢጹ። ካብ መንጎኦም፡ መሓመድ ጥራይ ድሒኑ።

ምስኣቶም ሓንቲ ነፍሰ-ጾር ምንባራ ይዝክር።

ብኸመይ ደሓነ?

"ኣብ ባሕሪ ን 11 መዓልታት ኢና ጸኒሕና። ኣብ መወዳእታ፡ ካብቲ ባሕሪ ማይ ክንሰቲ ጀሚርና። ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልቲ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶምና። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ሕድሕድ መዓልቲ ከክልተ ሰባት ስኢንና" ብምባል ነቲ ዝሓለፎ ስቅያት የዘንቱ።

ሓለዋ ዶብን ገማግም ባሕርን ኤውሮጳ፡ ኣብ ማያት ማልታ ረኺቦምዎ።

ሓይልታት ምክልኻል ማልታ ከድሕንዎ እንከለዉ፡ መሓመድ ኣብ ልዕሊ ናይ ሓደ ሰብ ሬሳ ንቑልቁል ኣፉ ተደፊኡ እዩ ነይሩ። ብሄሊኮፕተር ኣልዒሎም ንሆስፒታል ወሲዶምዎ።

"ንዓይ ከድሕኑ ፈጣሪ እዩ ልኢኹዎም" ክብል 'ታይምስ ኦፍ ማልታ' ንዝተብሃለ ጋዜጣ ተዛሪቡ።

እዚ ሰንካም ጉዕዞ ከመይመረ?

ወዲ 38-ዓመት ኢትዮጵያዊ መሓምድ ኣደም፡ ንርእሱ ኣባል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ዝነበረን ዝተሰደደን ፖለቲከኛ ክብል እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ኣዕርኽቱ ምስ ኣዘራረቡዎ እዩ ነዚ ጉዕዞ ክገብር ዝወሰነ።

ካብ ርእሰ ከተማ ሊብያ ትሪፖሊ፡ 45 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ካብ እትርከብ ከተማ ዛውያ፡ 25 ሓምለ ነቒሎም።

እቲ ወኪል፤ ሓባሪ ኣንፈት (ጂፒኤስ) ሂቡ "ናብ ማልታ ኪዱ ኢሉና" ይብል።

እቶም ኣብዛ ንእሽቶ ጀልባ ዝነበሩ ስደተኛታት፡ ሓደ ጋናዊ ስብኣይን ካልእቲ ጥንስቲ ጋናዊትን፣ ክልተ ኢትዮጵያውያን ከምኡ ድማ 11 ሶማልያውያን እዮም።

ምግብን ነዳድን ምስወድኡ፡ ካብ ዝሓልፋ ጃልባታትን ሄሊኮፕተራትን ሓገዝ ክረኽቡ ተማሕጺኖም፤ ዝሰምዖም ግን ኣይረኸቡን።

"ብዙሓት ጃልባታት ርእይና። 'ርድኡና፡ ርድኡና' እናበልና እኳ እንተእወና ስቕ ኢሎምና ይሓልፉ። ሄሊኮፕተር መጺኣ፡ ተመሊሳ ከይዳ"

መሓመድ፡ እቶም መጓዕዝቱ ከመይ ክሞቱ ከም ዝጀመሩ ከዘንቱ ከሎ፡ ዓይኑ ዓሚቱ እዩ።

"ኩሎም ኣብታ ጃልባ እዮም ሞይቶም። ሓያል ሃሩር ነይሩ። ማይን ምግብ ኣይነበረናን። እስማዔል ነቲ ሬሳታት ናብ ባሕሪ ንደርብዮ ኢሉኒ። ነቲ ሬሳታት እናልዓልና ናብቲ ማይ ደርቢናዮ። እቲ ሬሳታት ይጨኑ ነይሩ"

ንሱን እስማዔልን ጥራይ ተሪፎም። "እስማዔል 'ኩሉ ሰብ ሞይቱ ኣሎ። ንሕና ደኣ ንምንታይ ብህይወት ንጸንሕ?' ኢሉኒ"

እስማዔል፡ ክልቴና ብሓባር ኢና ክንመውት ዘለና ኢልዎ ከምዝነበረ'ውን የዘንቱ።

"ነቲ ሒዙዎ ዝነበረ ቴሌፎንን ኣንፈት ሓባሪ መሳርሒ [ጂፒኤስ]ን ናብቲ ባሕሪ ደርብዩዎ። 'ክትሞት እንተደሊኻ ርእስኻ ክኢልካ ሙት። ኣነ ግን ክመውት ኣይደልን ኢለዮ"

እስማዔል ሞይቱ።

ህይወት አሻሓት ዝበልዐ ባሕሪ

መሓመድ ሓደ ካብቶም ኣብዚ ዓመት ጥራይ ንማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ብህይወት ዝደሓኑ ልዕሊ 40 ሽሕ ስደተኛታት እዩ።

ካብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተረኸበ መረዳእታ ከምዘርእዮ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ 839 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞይቶም እዮም።

ኣንጻር ስደተኛታት ምዃኑ ዝፍለጥ ሚንስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቪኒ፡ ኣብዚ ቅነ ስደተኛታት ዘድሓና መራኽብ ናብ ወደባት ኢጣልያ ከይኣትዋ ክፍትን እዩ ቀንዩ።

ጎረቤት ጣልያን ዝኾነት ንእሽተይ ሃገር ማልታ ግን፡ ነቲ ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝግበር ዘሎ ንጥፈታት ብቐረባ እያ ትከታተሎ። ሓይልታት ምክልኻል ማልታ ንስደተኛታት ካብ ባሕሪ የድሕኑ እዮም።

ንመራኽብ ድሕነት ድጋፍ ክትገብር ግን ድልየት የብላን። እተን መራኽብ ድሕነት፡ ንሊብያውያን ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ድጋፍ ይህባ ኣለዋ እየን ዝብል ፍርሒ ኣለዋ።

ዕጫ መሓመድ እንታይ እዩ?

እቲ ናይ ህይወት ምድሓን ጻዕሪ እንትካየድ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማልታ "ነዚ ሓላፍነት በይንና ክንሽከሞ የብልናን" ብምባል ዓጽዓጽ ኢሉ ነይሩ።

ከድሕንዎ እንከለዉ፡ መሓመድ ውንኡ ስሒቱ እዩ ነይሩ። ከመይ ከምዘድሓንዎ ኣይዝክርን፡ እስማዔል ምሟቱ'ውን ኣይፈለጠን ነይሩ።

ንሱ ኣባል ዝነበረሉ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ከም ዘይሕጋዊ ስለዝረአ፡ ናብ ኢትዮጵያ እንተተመሊሱ ማእሰርቲ ከምዝጽበዮ እዮ ዝኣምን።

ካብ ዓዱ ካብ ዝወጽእ 15 ዓመት ኮይኑዎ። መጀመርታ ናብ ኤርትራ ተሰዲዱ። ካብኡ ድማ ንሱዳን ቀጺሉ። ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣቱ እዩ ዝደሊ።

"ናብ ጀርመን እንተኸይድካ ጀርመንኛ ክትዛረብ ኣለካ። ንእሽቶ እንግሊዝኛ እየ ዝፍትን" ይብል።

ነዚ ጉዕዞ ብምግባሩ ይናሳሕ ዶ ይኸውን?

ነቲ ሕቶ እንትምልስ፡ "ብፍጹም! ብህይወት ስለዘለኹ ሕጉስ እየ" ኢሉ።