እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ በረኻ ሰሃራ ሓጹር መንደቕ ክህንጽ ኣለዎ ኢሉ
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ ኣዉሮጳ ዘሎ ቅልዉላዉ ስደተኛታት ንምፍታሕ ኣብ ዙርያ ሰሃራ ሓጹር መንደቕ ክህነጽ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኢሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ስፔን።
ፕሬዚደንት ፓርላማ ኣውሮጳ ነበር ፖሴፍ ቦሬል ድማ፡ እቲ ስትራቴጂ ተቓዊሙዎ።
ፖሴፍ ቦሬል ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ኣብ ኣሜሪካ ምብጻሕ ከካይድ ኣብ ዝኸደሉ እዋን'ዩ እዚ ሓሳብ ቐሪቡ ተባሂሉ።
ቅድም ኢሉ'ዉን ፕሬዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ ኣሜሪካ፡ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት ኣብ ሞንጎ ኣሜሪካን ሜክሲኮን መንደቕ ሓጹር ክሃንጽ'የ ምባሉ ዝዝከር'ዩ።
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እስፔን፡ ኣብዚ ሰሙን ትራምፕን ፖሴፍ ቦሬልን ኣብ ማድሪድ ተራኺቦም ነይሮም ክብል ኣረጋጊጹ።
ትራምፕ፡ "ምስ ሰሃራ ዘሎና ዶብ ምስ ሜክሲኮ ካብ ዘሎ ዶብና ዝዓቢ ኣይኮነን" ኢሉ ክብል ድማ ቦሬል የጣቕሶ።
ኣሜሪካ ምስ ሜክሲኮ ዘለዋ ዶብ 1,954 ማይል (3,145 ኪሎ ሜትሮ) ንዉሓት እንትህልዎ፡ በረኻ ሰሃራ 3,000 ማይል ርሒቑ ይርከብ።