ስደት፡ እታ ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ባሕሪ ሜድትራኒያን ዝጠፍአት ጀልባ

ፍርቂ ለይቲ ሓሊፉ . . . ኣዝዩ ጸልማት ኮይኑ እዩ ነይሩ። ሰንበት ንጉሆ ቴሌፎን ክትጽውዕ እንከላ'ውን፡ እቲ ጸልማት ጌና ኣይበርሀን ነይሩ።

ቀዝሒ ዝሓዘለ ንፋስ ድማ በቲ መስኮት ይኣቱ። ኣብቲ ጠረጴዛ ቴሌፎናት፣ ላፕቶፓት፣ ገመዳትን ናይ ሻሂ ኩባያታትን ዛሕ ኢሎም ኣለው።

ካርሎስን ጃሲንታን፡ ሙሉእ ለይቲ ክድወሉ ንዝሓደሩ ቴሌፎናት ክምልሱ እዮም ሓዲሮም። ብዙሕ ኣይጸንሐን ሕዚ'ውን ቴሌፎን ደዊላ።

ዓንቀፍቀፍ ዝብል ኢንግሊዘኛ ዝዛረብ ሰብኣይ እዩ ቴሌፎን ደዊሉ።

ጃሲታ "ድምጹ ብደንቢ እየ ዝዝክሮ" ትብል። ህድእ ዝበለ ሓፊስ ድምጺ።

ካርሎስ፡ ሄሎ?

ኣብ ጀልባ ዘሎ ሰብኣይ፡ ሄሎ፤ ደሓን ዲኻ?

ካርሎስ፡ ሰላም እየ፤ ጽቡቕ ኣለኹ። ካብ ጀልባ ዲኻ ትውድል?

ኣብ ጀልባ ዘሎ ሰብኣይ፡ እወ፤ ድሓን ኣለና። ግን በጃኹም ሓግዙና ኣብ ሓደጋ ኢና ዘለና።

ካርሎስ፡ ሕራይ

ኣብ ጀልባ ዘሎ ሰብኣይ፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኢና ዘለና። እወ ኣብ ማእከል ባሕሪ ሜድትራንያን። መድሕን ህይወት የድልዩና እዮም።

እቲ ቴሌፎን ተቛሪጹ፤ መሊሱ ይድወል። ጃሲንታን ካርሎስን እናተቐባበሉ ንሓደ ሰዓት ዝኣክል ኣውጊዖም።

ጃሲንታ፡ እዞም ኣብ ጀልባ ዘለው ሰባት መን እዮም? ዝብል ክትፈልጥ ደልያ።

"ዘለውሉ ኩነታት ስለ ዘጨነቐኒ ብዛዕብኦም ክፈልጥ ደልየ" ትብል። ግን ድማ ናይቲ ሰብኣይ ሽም ኣይረኸበትን።

ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ፡ ብ6 ለካቲት 2020 ኣብ ጥቓ ሜድትራንያን እትርከብ ከተማ ሊብያ ካባሁሊ፡ ማሃር ዓው ኢሉ ክዛረብ ብቴሌፎን ይስማዕ ነይሩ።

"ወደይ ሃብኒ፤ ሙዛሚል ሃቡኒ" ይብል ነይሩ።

ሙዛሚል፡ ንማሃር ወዲ ሓፍቱ እዩ። ግን ድማ ኣብ ሊብያ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብሓባር ስለ ዝጸንሑ፡ ከም ወዱ ክርእዮ ጀሚሩ እዩ።

እዚ ወዲ 18 ዓመት ቆልዓ እቲ ባሕሪ ከቋርጽ ክፍትን እዩ ክብል ሰጊኡ ኣሎ። እዚ ሰብኣይ፡ "ካምፖ" ኢሎም ኣብ ዝጽውዕዎ ካብ ከተማ ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ዱር ኮይኑ'ዩ ዓው ኢሉ ዝዛረብ ነይሩ።

እዚ ቦታ፡ ብሜድትራንያን ኣቢሎም ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩ ስደተኛታት ኣኪቦም ዘስግሩ ገበነኛ ጉጅለታት ዝርከብሉ እዩ።

ማሃር፡ ወዲ ሓፍቱ ናብ ኤውሮጳ ክሰግር'ኳ እንተደለየ፡ ሕዚ ግን ኣይኮነን። ኣብዚ ቦታ ዘሎ ሰምሳራይ ይፈልጦ'ዩ ግን ድማ ኣይኣምኖን።

እቲ ሰምሳሪ ዘዳለወን ጀላቡ፡ ሰንኳፋትን ንኡሽቶ ሞተር ዘለወንን እየን። በዚኣን 500 ኪሎ ሜትሮ መገዲ ተጓዒዝካ ጥልያን ክብጻሕ ኣይከኣልን።

ማሃር፤ ቅድም ኢሉ፡ ኣብ ከምዚአን ዝኣመሰላ ጀላቡ ተጻዒኑ ስለ ዝፈልጥን፡ ጽኑዓት ከም ዘይኮና ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ካብዚ ቦታ፡ ናብ ሊቢያ ክምለስ እዩ ዝደሊ።

ሙዛሚል ብቴሌፎን ንከራኽቦ ነቲ ኣብ ካምፖ ዘሎ ሰብኣይ ኣእሚኑዎ፤ ብዙሕ'ውን ለሚኑዎ።

"ሙዘሚል ከይትኸይድ" ኢለዮ።

ሙዘሚል፡ ንነብሱ ኤውሮጳ ኣትያ ክርእያ እዩ ዝደሊ። "ዕድል ዝቐንዐቶም ኩሎም መሓዙትና ከይዶም ስለ ዝርኣየ፡ ንሱ'ውን ድቃስ የብሉን። ብዛዕብኡ ጥራሕ'ውን ይሓስብ" ይብል ማሃር።

ነዚ'ውን ክልተ ግዜ ፈቲኑዎ ኣይተሳኽዐሉን። ክልተ ሻብ ብሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ተታሒዙ።

ፍሮንቴክስ ዝተባህለ ኤጀንሲ ዶብ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብቲ ከባቢ ናይ ነፈርቲ ምክትታል ስለ ዝገብር፡ ስደተኛታት ዝሓዘት ጀልባ ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ክትበጽሕ ከላ ነቶም ሓለውቲ የፍልጥ። ሙዛሚል ብኸምዚ'ዩ ክልተ ሻብ ተታሒዙ ናብ ሊብያ ተመሊሱ።

ናብ ሊብያ ምስ ተመለሰ ታጁራ ኣብ ዝተባህለ መዳጎኒ ስደተኛታት ድማ ኣትዩ። እዚ፡ ሓደገኛ ቦታን፡ ንጾታዊ ግህሰትን ካልኦት ዓመጻትን ዝተቐዓልዐ ከም ዝኾነን ስደተኛታት ይዛረቡ።

ሙዛሚል፡ ኣብዚ ንኽልተ ወርሒ ተኣሲሩ። ንኻልኣይ ግዜ፡ ካብዚ ቦታ ሀዲሙ ንምውጻእ ተዳለወ።

ሙዛሚል፡ ዶክተር ክኸውን'ዩ ስለ ዝደሊ፡ ብዛዕብኡ ኩል ግዜ'ዩ ዘውግዕ።

መቦቆሉ ሱዳን እዩ። ንሱን ስድርኡን ብምኽንያት ኣብ ዳርፉር ዝነበረ ኲናት ተመዛቢሎም ኣብ መዕቆቢ ማእከል ዛምዛም ይነብሩ ነይሮም።

ሙዛሚል ብትምህርቱ ንፉዕ እንተነበረ'ውን፡ ኣብ ወጻእ ሃገር ከይደ እየ ዝመሃር ብዝብል ጌና ቖልዓ 15 ዓመት ከሎ'ዩ ትምህርቱ ኣቋሪጹ።

ኣብ ዛምዛም ዋላ ሓደ ዝርእዮ እወንታ ከም ዘይነበረ'ዩ ኣኩኡ ዝዛረብ። ሓው፣ ሓትነታቱን ኣኩኡን ተመሪቖም ስራሕ ክረኽቡ ስለ ዘይኽኣሉ ኾፍ ኢሎም ስለ ዝርእዮም፡ ኣን ሱዳን ምምሃር ተስፋ ቖሪጹ።

ኣብ ወጻእ ተማሂሩ ዶክተር ምስ ኮነ ግን፡ ናብ ሱዳን ተመሊሱ ሆስፒታል ክሃንጽ፣ ጓል ሃገሩ ክምርዖ ከም ዝደሊ ንኣኩኡ ይነግሮ ነይሩ።

18 ዓመት ከይመልአ እንከሎ፡ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ክኸይድ'ሞ፡ ብኣጋ ናብ ትምህርቲ ክኸትት እዩ ዝደሊ ነይሩ። ልክዕ ከምቶም ናብ ኤውሮጳ ብቐሊሉ ዝብጻሕ ዝምስሎም፡ ንሱ'ውን ኩሉ ነገር ቐሊል እዩ ዝመስሎ ነይሩ።

ኣብ ሊብያ ዝረኣዩዎ ግን፡ ኩሉ ጸላም እዩ።

ባሕሪ ሜዲትራኒያን ከቋርጽ ብተደጋጋሚ ዝፈተነ ኣብ ሊብያ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሐ ሱዳናዊ ዓሊ መሓመድ፡ ሕጊ ዘይብላ መሬት እዩ ዝብላ።

ኣብታ ሃገር ንዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ሓድሕድ ኣሎ። ከም ዓሊ ዝበሉ መናእሰይ ድማ መዓልታዊ ግዳያት እቶም ዝፍጸሙ መጥቃዕታት ሚሊሻ ክንከውን ኢና ብዝብል ስግኣት ተሸሚሞ እዮም ዝነብሩ።

"ኣብ ኩሉ ቦታ ተኹሲ ኣሎ። ጽቡቕ ዝመስል ጫማ ረጊጽካ ዝረኣየካ መመንዚዑ እዩ ዝወስደልካ" ይብል።

ዓሊ፡ ዓረብያ ብምድፋእ ኣብ ሓደ ዕዳጋ ይሰርሕ ነይሩ። እተን ደቂ ኣንስትዮ እምበር እቶም ደቂ ተባዕትዮሲ ኣይኸፍሉኻን ይብል።

ሙዛሚል'ውን ተመሳሳሊ ግፍዒ በጹሑዎ ከም ዝነበረ ኣኩኡ ይዛረብ። ኣብ ሓደ እዋን ሰለስተ ዕጡቓት መጺኦም ከም ዝወሰዱዎን፡ ህንጻ ሙሉእ ከጽሪ ገይሮም ከይከፈሉ ከም ዝሰደዱዎን ይዝክር።

ዓሊ ንኻልኣይ ግዜ ብዝገበሮ ፈተነ ተሳኺዕሉ፡ ብማልታ ኣቢሉ ናብ ፈረንሳ ኣትዩ ሃዲኡ ይነብር ኣሎ።

"እቲ ባሕሪ ልክዕ ሓሽሽ እዩ፤ ወልፊ" ይብል።

ካብታ ጀልባ ቴሌፎን ይድወል ኣሎ።

ካርሎስ፡ ሄሎ?

ኣብ ጀልባ ዘሎ ሰብኣይ፡ ኣቤት

ካርሎስ፡ ነቶም ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ክንረኽቦም ንፍትን ኣለና።

ኣብ ጀልባ ዘሎ ሰብኣይ፡ እወ ሕዚ . . . ብምኽንያት ማይ . . . ጀልባና ማይ መሊኡ ኣሎ።

ካርሎስ፡ ማይ መሊኡ?

ኣብ ጀልባ ዘሎ ሰብኣይ፡ እወ። እወ።

ካርሎስ፡ ዝከኣለና ኩሉ ንጽዕር ኣለና። መንሳፈፊ ኣለኩም'ዶ?

ኣብ ጀልባ ዘሎ ሰብኣይ፡ሕራይ።

ካርሎስን ጃሲታን፡ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ንዘለው ስደተኛታት ንምሕጋዝ ጻውዒት ስልኪ ሃንደበታዊ ሓደጋ እናተቐበሉ ብወለንትኦም ዝሰርሑ ሰባት እዮም።

"ቴሌፎን ይድወለና። ዘለውሉ ኩነታት ሓቲትና ምስቶም ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ነራኽቦም። ካብዚ ወጻእ ካልእ ኣይንገብርን" ይብል ካርሎስ።

ኣብታ ጀልባ፡ 79 ደቂ ተባዕትዮ፣ ሓሙሽተ ደቂ ኣንስትዮን ሸውዓተ ህጻናትን ዝርከቡዎም 91 ሰባት ከም ዝነበሩ ፈሊጦም።

"ጀልባና ጠፊኣ፤ ዘድሕነና ንደሊ። በጃኹም" ይብል እቲ ኣብታ ጀልባ ዘሎ ሰብኣይ።

እታ ጀልባ ኣብ ውሽጢ ዓለምለኻዊ ባሕሪ - ዞባ ሊቢያ ከም ዘላ ምስ ፈለጡ፡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዘለው ሰበ ስልጣን ሊብያ ቴሌፎን ደዊሎም፣ መልእኽቲ ጽሑፍ'ውን ብኢሜይል ልኢኾም።

ግን ዝምልስ የለን። ናብ ሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ቑጽርታት ቴሌፎን ደዊሎም።

ድሓር፡ ናብ ሓላፊ ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ኮሎኔል መስዑድ ዓብዱል ሳማድ ደዊሎም።

ክሳብ 2014፡ ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ማልታን ጥልያንን ብሕብረት ኤውሮጳ እናተሓገዙ፡ ኣብ ሜድትራኒያን ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕቲ ይሰርሑ ነይሮም።

ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ክፍጠር ምስ ጀመረ ግን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ጀሚሮም፤ እቲ ሕብረት 100 ሚሊዮን ዶላር በጂቱ ዓቕሚ ሓለዋ ገምገም ባሕሪ ሊብያውያን ከዕቢ ጀሚሩ።

ጃሲንታን ካርሎስን ረብሪቦም። እቶም ኣብ ሊብያ ዘለው ሰበ ስልጣን ንክምልሱ ጸቕጢ ክገብሩ ኣብ ጥልያን ናብ ዘሎ ማእከል ምድሓን ባሕሪ ደዊሎም።

እቲ መልእኽቲ ጽሑፍ ከም ዝበጽሖም እኳ እንተገለጹ እቲ ህይወት ዘድሕን ጉጅለ ናብቶም ኣብ ሓደጋ ዘለው ስደተኛታት ይኸይድ ብዛዕባ ምህላው ግን ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ክህቡዎም ኣይደለዩን።

ዳግም ካብታ ጀልባ ቴሌፎን ተደዊሉ።

እቲ ሰብኣይ፡ ኣብቲ ዘለውሉ ጸልማት ህሞት ኮይኑ ጭላንጭል ብርሃን ክርኢ እንተኸኢሉ ይሓቱዎ።

ኣብ ጀልባ ዘሎ ሰብኣይ፡ በይንና ኢና።

ጃሲንታ፡ ሕራይ። መን ምዃንካ ክትነግረኒ'ዶ?

ኣብ ጀልባ ዘሎ ሰብኣይ፡ ዘድሕነና ሰብ ንደሊ ኢና። መድሕን ህይወት ንደሊ ኣለና።

ጃሲንታን ካርሎስን መሊሶም የዛርቡዎ። ሕዚ ግን ዝተፈለየ እዩ።

እቱ ሰብኣይ የእዊ ነይሩ፤ ናብቲ ማይ ሰባት ጥሒሎም ይብል። ብድሕሪት'ውን ድምጺ ካልኦት ኣብ ጸበባ ዝኣተው ሰባት ይስማዕ ነይሩ።

ድሓር፡ እቲ ርክብ ቴሌፎን ተቛሪጹ። ደዊሎም ክረኽቡዎም እንተፈተኑ'ውን ኣይሰመረን።

ድሕሪ እዚ፡ ኮሎኔል ዓብዱል ሳማድ ቴሌፎን መሊሱ። ሓለውቲ ገምገምገም ባሕሪ ሊብያ ምልኣኽ ዝኽእል እንተኾይኑ ንምፍላጥ ንሓለፍቲ ከፍልጥ ከም ዘለዎ ይዛረብ። መሊሶም ድሕሪ ክልተ ሰዓት ክድውልሉ'ውን ይሕብሮም።

ግን፡ ክልተ ህይወት ዘድሕና ጀላቡ ናብቲ ቦታ'ኳ እንተተልኣኻ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዝኾነ ነገር ከም ዘይረኸባ ይገልጸሎም።

ቢቢሲ፡ ንኮሎኔል ሳማድ ክረኽቦ እንተፈተነ'ውን፡ ኣይምልስን።

እታ ጀልባ ጠፊኣ። እቲ ካልሎስን ጃሲንታን ዘዛርቡዎ ዝነበሩ ሰብ ሙዛሚል ድዩ ኣይነበረን ዝፍለጥ ነገር የለን።

ማሃር ግን ንሱ ክኸውን ከም ዝኸእል ይጥርጥር። ኣብታ ምሸት ካልኦት ሰለስተ ዝድሓና ጀላቡ ነይረን። ሓንቲ ብሰበ ስልጣን ማልታ፣ ሓንቲ ብገባሪት ሰናይ ጀልባ ኣይታ ማሪ፣ እታ ሓንቲ ድማ ብሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ሊብያ።

ግን ድማ፡ ናይቶም ምስ ጃሲታን ካርሎስን ዝራኸብ ዝነበረ ሰብኣይ ዝነበራ ጀልባ፡ ዝተረኽበ ሓባሪ ኣንፈት ምስዚአን ዝመሳሰል ኣይኮነን፤ ሙዛሚል ኣካል እታ ጀልባ'ዶ ነይሩ ይኸውን'ውን ኣይፍለጥን።

ኤጅንሲ ዶባት ሕብረት ኤውሮጳ ፍሮንቴክስ ከም ዝብሎ፡ ኣብታ ለይቲ ጥልያን ህይወት እቶም ኣብ ባሕሪ ዝነበሩ ስደተኛታት ከተድሕን ትተሓባበር ነይራ እያ።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንምርካብ ናብ ጥልያን ናብ ዝርከብ ማእከል ምድሓን ጉጅለ ደዊሉ፤ "ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ምስ ካልኦት ማእከላት ምድሓን ህይወት ሓበሬታ ተለዋዊጥና ኢና" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ዓለምለኸ ትካል ስደት [ኣይኤምኦ] ኣብ ሊብያ ብዘሎ ስግኣት ጸጥታ ብርክት ዝበሉ ሰባት ባሕሪ ሜድትራኒያን ከቋርጹ ከም ዝብገሱ ብምግላጽ፡ ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት 2019 ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከም ዝወሰኸ ሓቢሩ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይስ ማልታን ጥልያንን ዶባተን ዓጽየን ስለ ዘለዋ ግን፡ ኣብዚ እዋን ብባሕሪ ንዝጉዓዙን ሓደጋ ንዝበጽሖምን ንምድሓን ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ።

ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት ኣትሒዙ፡ ብባሕሪ ክሰግሩ ፈቲኖም ዝሞቱ ወይ ዝጠፍኡ 258 ሰባት ከም ዝመዝገበ ኣይኤምኦ ይገልጽ፤ ግን ድማ ድሃዮም ከይተረኸበ ከይተሰነዱ ዝተረፉ'ውን ክህልው'ዮም።

ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ሊብያ ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ ተውድቕ እያ ዘላ ይብል።

ማሃር፡ ወዲ ሓፍቱ ኣብታ ዝጠፍአት ጀልባ ከም ዝነበረ'ዩ ዝኣምን፤ ሞይቱ ይኸውን'ዩ ዝብል ግን እከቕበል ኣይደልን። ንሓፍቱ'ውን እቲ ዘጋጠመ ነገር ሓቢኡዋ እዩ ዘሎ።

ኣብ ባህሊ ሱዳን፡ ሓደ ዝጠፍአ ሰብ እንተውሓደ ንሓደ ዓመት ክሳብ ዝመልኦ ሞይቱ ኢልካ ኣይንገርን።

"ኣስካሬን እቶም ዝሞቱ ምረኸብና ነይርና፡ ሞይቶም ምበልና፤ ግንከ ዝተረኽበ ነገር የለን" ኢሉ።

ኩነታት ሊብያ እናኸፍአ ይመጽእ ብምህላዩ፡ ሕዚ'ውን ናብ ኤውሮጳ ክሰግር እዩ ዝደሊ። ኣብ ቀረባ ኣብ ጥቓ እቲ ዝነብረሉ ገዛ ሮኬት ወዲቓ ነይራ።

ኣብ ሜድትራኒያን ክገጥሞ ዝኽእል ሓደጋ ድማ የስግኦ።

"ናብ ባሕሪ ምስ ኣተኻ፡ ኣብ ሞንጎ ህይወትን ሞትን ኢኻ ትኸውን" ይብል።