እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጺ ሰራዊታ ናብ ሊብያ ምስዳድ ንሊብያ እንታይ ትርጉም ይህልዎ?
ግብጺ ሃገራዊ ድሕነት ንምውሓስ፡ ሰራዊታ ናብ ወጻኢ ሃገር ክትልእኽ ፓርላማ እታ ሃገር ኣጽዲቑ ኣሎ።
ቀቢላውያን መራሕቲ ሊብያ ኣብ ካይሮ ምስ ፕረዚደንት ኣልሲሲ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ሰራዊት ግብጺ፡ ሃገራዊ ድሕነት ሊብያን ግብጽን ንምውሓስ ጣልቃ ክኣቱ ድሕሪ ምጽውዖም ድሕሪ ሒደት መዓልትታት እዩ እዚ ውሳነ ዝሓልፍ ዘሎ።
እቲ ውሳነ ንሊብያ እንታይ ትርጉም ክህልዎ'ዩ?
ግብጺ ናብ ሊብያ ወተሃደራት ብምስዳድ ጣልቃ ንምእታው ድሕሪ ምውሳና ኣብ ሊብያ ወተሃደራዊ ምፍጣጥ ሰማይ ይዓርግ ኣሎ።
ፓርላማ ግብጺ ብሰኑይ፡ ወላ'ኳ ናበየናይ ሃገር ምዃኑ እንተዘየነጸረ፡ ወተሃደራቱ ናብ ወጻኢ ሃገር ክለኣኹ ፍቓድ ሂቡ ኣሎ።
ኣቐዲሙ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኣበዱል ፋታህ ኣልሲሲ፡ ግብጺ ሃገራዊ ድሕነታን ንጎረቤታ ሊብያን ዝፈታተን ምንቅስቓሳት ሱቕ ኢላ ከም ዘይትርእይ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እቲ ውሳነ ኣበየናይ ግዜ ተግባራዊ ከም ዝኸውንን፡ ኣበየናይ ሃገር ከም ዝኸውን'ውን ግን መግለጺ ናይቲ ፓርላማ ኣየነጸረን።
እንተኾነ ግና ንሃገራዊ ድሕነት "ስትራተጂካዊ ምዕራባዊ ግንባር ኣንጻር ንጥፈታት ዕጡቓትን ገበነኛ ሚሊሻታትን" ንምምካት ምዃኑ ይገልጽ።
ግብጺ ሓንቲ ካብተን ነቲ ኣንጻር ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ብሕቡራት ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ዝቃለስ ሰራዊት ጀነራል ከሊፋ ሃፍታር ብሕቡእ ዝድግፋ ሰለስተ ሃገራት እያ።
ሰራዊት እቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ መንግስቲ ብቱርኪ ከምዝድገፍ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፡እታ ብነዳዲ ሃብታም ኣብ ዝኾነ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር እትርከብ ከተማ ሲርት ግዳይ ናይቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዝካየድ ኲናት እያ ኮይና ዘላ።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ ፈረንሳ፡ ጀርመንን ጥልያንን ነተን ኣብ ልዕሊ ሊብያ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር ዝጥሕሳ ሃገራት እገዳ ክገብራ ምዃነን ኣጠንቂቐን ነይረን።
ፈረንሳ'ውን ንጀነራል ሃፍታር ከም እትሕግዝ ክትክሰስ እኳ እንተጸንሐት፡ ነቲ ክሲ ኣይተቐበለቶን።