ሬድዮ ፋና ጨንፈር መቐለ ተዓጽዩ

ኣብ መቐለ ዝርከብ ጨንፈር ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት (ሬድዮ ፋና) ካብ ሰኑይ ምሸት ኣትሒዙ ብዕሊ ከምዝተዓጸወ ተፈሊጡ።

እቲ መደብር ሬድዮ፡ ካብ በዓል መዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያ ብዝተጽሓፈ ደብዳቤ ከምዝተዓጸወ ድማ ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ደብዳበ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሬድዮ ፋና፡ ነቲ ናይ መቐለ ጨንፈሩ ክዕጸወሉ ከምዝሓተተ ተጠቒሱ ኣሎ ኢሎም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ጨንፈር።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ዝሰርሑ 33 ሰራሕተኛተት ድማ ካብ ሰሉስ ንጉሆ ጀሚሩ ካብ ስርሖም ተኣጊዶም ምህላዎም ጋዜጠኛታት ናይቲ ትካል ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ኣብ’ዚ እዋን፡ ናይቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝተዓጸወ ኾይኑ ፈነወ’ውን ጠጠው ኣቢሉ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ቅድም ክብል’ውን ኣብ መንጎ ዋና ቤት ጽሕፈት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬትን ኣብ መንጎ ናይ መቐለ ጨንፈሩን ምስሕሓብ ከጋጥም ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት፡ ጋዜጠኛታትን መሪሕነትን ናይቲ ሓደ ካብ ጨንፈር ኤፍኤማት ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት (ኤፍቢሲ) ዝኾነ መቐለ ፋና ኤፍኤም 94.8 ካብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዋና ቤት ዕዮ ጸቕጥታት ከምዝበጽሖም ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ጨንፈር ዝነበረ ጋዜጠኛ መሰረት ታደሰ “ካብ ማእኸል ዝመጽኡ ኣጀንዳታት ጥራይ ክተድህቡ ኣለኩም” ዝብል ጸቕጢ ከምዝበጽሖም ተዛሪቡ ነይሩ።

ብተወሳኺ ድማ፡ "ከይንሰርሖም ወይ ሽፋን ከይንህቦም ዝበሃሉ ጉዳያት ብዙሓት'ዮም። ካብ ትግራይ ዝወጽኡ ሓበሬታታት ብእርይ ቁጽር እንታይ ምዃኖም እናተለለየን እናተፈለየን እዩ ዝረኣይ። መብዛሕቲኦም ከይሓልፉ ይእገዱ" ክብል ጋዜጠኛ መሰረት ታደሰ ኣብ’ቲ እዋን ካብ ዋና ቤት ጽሕፈቶም ይበጽሐና ኣሎ ንዝብልዎ በደል ገሊጹ ነይሩ።

ፋና ብሮድካስት ኮርፖሬት ዋና ቤት ጽሕፈት ብወገኑ ንጋዜጠኛታት ጨንፈር መቐለ “ኤድቶርያክ ፖሊስን መምርሕታትን ጥሒስኩም” ክብል ኣብ’ቲ እዋን መጠንቀቕታ ጽሒፉሎም ነይሩ።