ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ብጉዳይ ዕልዋ መንግስቲ 1989 ኣብ ፍርዲ ቀሪቡ

እቲ ዓሚ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር፡ ብጉዳይ ናይቲ ንባዕሉ ናብ ስልጣን ዘደየቦ ዕልዋ መንግስቲ 1989 ናብ ፍርዲ ቀሪቡ።

እቲ ወዲ 76 ዓመት፡ ኣልበሽር ድሮ ብብልሽውና ተኸሲሱ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ’ዩ።

በዚ ሕጂ ኣብ ፍርዲ ቀሪቡሉ ዘሎ ናይ 1989 ዕልዋ ገበነኛ ኮይኑ እንተ ተረኸቡ፡ ንሞት ክፍረድ ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ምክትል ፕረዚደንት ዝነበሩ፡ ዓሊ ዑስማን ጣሃን ባክሪ ሓሰን ሳልሕን’ውን ብተመሳሳሊ ክሲ ምስኡ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ናይቲ ቤት ፍርዲ፡ እቶም 28 ክሱሳት ንርእሶም ክከላኸሉ ዕድል ከም ዝህቦም ኣብቲ ዝነበረ መጋባእያ ተዛሪቡ።

ሓደ ካብቶም 150 ጠበቓታት ኣልበሽር ዝኾነ ሃሽም ኣል-ጋሊ ብወገኑ፡ ኣልበሽርን እቶም ካልኦት ክሱሳትን፡ “ፖለቲካዊ ፍርዲ” ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ብምግላጽ፡ “ኣብ ትሕቲ ሕማቕ ሃዋሁ” ተቐዪዶም ከምዘለዉ ገሊጹ።

እቲ ቤት ፍርዲ ንዝመጽእ 11 ነሓሰ ቆጸራ ብምግባር፡ ጭብጥታት ከይቀረበ ናይ ሎሚ መጋባእያ ዓጽዩዎ። እቲ ውሳነ፡ ተወሰኽቲ ጠበቓታትን ቤተሰብ ናይቶም ክሱሳትን ክሳተፉ ዝተወስደ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ጀነራል ኣልበሽር፡ ኣብ ማዝያ 2019 እዩ ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

እቲ ናዕቢ ፈለማ ብናህሪ ዋጋታት መሰረታውያን ሃለኽትን፡ ምቁራጽ ድጎማ ነዳዲን ዘንቀሎ’ኳ እንተኾነ፡ ድሒሩ ግን ፕረዚደንት ነበር ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝጽውዕ ማዕበል ተቐዪሩ።

ብ11 ማዝያ 2019 ድማ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወን ብወግዒ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናይቲ ዓመት ከኣ፡ ንወታሃደራውያን ኣዘዝቲን ሲቪላውያን ፖለቲከኛታትን ዘካተተ መሰጋገሪ መንግስቲ ቆይሙ።

ኣልበሽር፡ ምስቲ ኣብ ዳርፉር ተፈጺሙ ዝበሃል ገበናት ኲናትን ምጽናት ዓሌትን ብዝተሓሓዝ’ውን ብዓለምለኻዊ ገበናዊ ቤትፍርዲ ይድለ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት ሰብመዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ናብቲ ዓለምለኻዊ መጋባእያ ከረክብዎ ድልዋት ምዃኖም ገሊጾም ነይሮም።

ኣብ 1989 ጀነራል ዑመር ኣልበሽር፡ ኣንጻር እቲ ብደሞክራስያዊ መገዲ ናብ ስልጣን ዝመጸ መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሳድቕ ኣል-ማህዲ ወታሃደራዊ ዕልዋ ብምክያድ ናብ ስልጣን ደዪቡ።

ሽዑ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ንፖለቲካውያን መራሕቲ ኣብ ቀይዲ ብምእታው፡ ንፓርላማ ኣፍሪሱ፡ መዓርፎ ኣየር ብምዕጻው፡ ብራድዮ ብወግዒ ዕልዋ ከምዘተኻየደ ገሊጹ ተባሂሉ’ዩ ንዑን ብጾቱን ክሲ ቀሪብሎም ዘሎ።