እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግብጺ ኣብ ጉዳይ ምምላእ ማይግድብ ህዳሰ ካብ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ መብርሂ ሓቲታ
ግብጺ ኣብ ጉዳይ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ቅልጡፍ መብርሂ ንኽወሃባ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕቶ ከምዘቕረበት ተገሊጹ።
መንግስቲ ግብጺ ብወገን ኢትዮጵያ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ማይ ምምላእ 'ተጀሚሩ'ዶ ኣይተጀመረን?' ዝብል ብቕልጡፍ ክፈልጥ ከምዝደለየ ተሓቢሩ'ሎ።
ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ከካይድኦ ዝቐነየ ልዝብ ብዘይውጽኢት ከምዝተዛዘመ ኣብ ዝተገለጸሉ እዋን'ዩ መጠን ማይ እቲ ግድብ ይውስኽ ከምዘሎ ዘርእዩ ናይ ሳተላይት ስእልታት ክረኣዩ ዝጀመሩ።
ሱዳን ብወገና ናብ ሃገራት ታሕተዋይ መፋስስ ዝበጽሕ መጠን ማይ ብ 90 ሚልዮን ኪዩቢክ ሜትር ከምዝነከየ ትገልጽ ኣላ።
ኢትዮጵያ ግን ብወግዒ ነቲ ግድብ ክትመልእ ከምዘይጀመረት እያ እትገልጽ።
ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብቲ ንህንጸቱ ክሳብ 5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝግበረሉ ግድብ ህዳሰ ብተደጋጋሚ ልዝባት ከካይዳ ምጽንሐን ይፍለጥ።
ማዕኸናት ዜና ኢትዮጵያ፡ ንሚንስትሪ ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ብምጥቃስ ቀዳማይ ምዕራፍ ምምላእ ማይ ከምዝተጀመረ እንተጸብጸባ'ኳ እቲ ሚንስትሪ ግን "ብወግዒ ዝተጀመረ ነገር ከምዘየለ" ንቢቢሲ ተዛሪቡ'ዩ።
ሚንስተር ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ኢንጂነር ስለሺ "እቲ ጸብጻብ ብጌጋ ዝተቓልሐ እዩ። እቲ ግድብ ማይ ክሕዝ ኣብ ዝኽእል ደረጃ በጺሑ'ሎ መስርሕ ምምላእ ግን ብወግዒ ኣይተጀመረን" ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ንኣሶሺየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ እቶም ናይ ሳተላይት ምስልታት ልዑል መጠን ዝናብ ከምዘሎ ዘርእዩ ምዃኖም ኣረዲኡ።