እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ፡ ቀጻሊ እንታይ እዩ ክግበር?
ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስኣበባ ንክልተ መዓልታት ዝገበረኦ ኣኼባ፡ ብሓሙስ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ'ሎ።
ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዋሽንግተን ካብ ዝገበረኦ ዘተ ጀሚሩ፡ ኣብ ጉዳይ ኣመላልኣን ኣሳድዳን ማይ እቲ ግድብ ብዝምልከት፡ ሚኒስትራት ማይ ናይተን ሃገራት ንኣርባዕተ ግዜ ተራኺቦም ዘትዮም።
ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ካይሮን ካርቱምን ክካየድ ዝጸንሐ ዘተታት፡ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን ብተዓዛብነት ክሳተፉ ጸኒሖም እዮም። እዚ'ውን ኣካል እቲ ኣብ ዋሽንግተን ዝተገበረ ስምምዕ እዩ።
እንተኾነ፡ እዘን ሃገራት ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይከኣላን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ ሓደሽቲ ሓሳባት ሒዛ ምምጸኣን፡ ኢትዮጵያ ድማ ነዞም ሓሳባት ስለዘይተቐበሎቶምን፡ እቲ ዘተ ብዘይ ፍረ ክብተን ከምዝኸኣለ ይገልጽ።
ኢትዮጵያን ግብጽን ክሰማመዓሉ ዘይከኣላ ሓደ ጉዳይ፡ ኣብ እዋን ምምላእ ማይ እቲ ግድብን ኣብ እዋን ድርቅን፡ ክንደይ ዝኣክል ማይ ክስደድ ኣለዎ ዝብል እዩ።
ግብጺ፡ ኣብ እዋን ምምላእ ማይ እቲ ግድብ፡ ዓመታዊ 40 ቢሊዮን ሜትር ኪዩብ ማይ ክስደደላ ትጠልብ። እዚ ድማ፡ ግብጺ ኣብ እዋን ድርቂ፡ ካብቲ ሩባ እትረኽቦ ማእከላይ መጠን ማይ ምዃኑ እያ እትገልጽ።
ኢትዮጵያ ድማ፡ ኣብ እዋን ምምላእ እቲ ግድብን ኣብ እዋን ድርቅን፡ ዓመታዊ 35 ቢሊዮን ሜትር ኪዩብ ማይ ክትሰድድ እዩ ድልየታ።
ነተን ሃገራት ዘየሰማመዐን ካልእ ጉዳይ ድማ፡ ኣብቲ ግድብ ዝጠራቐም 74 ቢልዮን ሜትር ኪዩብ ማይ ኣብ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ክውህለል ኣለዎ ዝብል እዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ከምዝብሎ፡ ኢትዮጵያ ኣብ 4-7 ዓመት ክትመልኦ እያ ትደልይ።
ግብጺ ድማ፡ ካብ 12 ክሳብ 21 ዓመት ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ እያ ኣቕሪባ።
ቀጻሊ እንታይ እዩ ክግበር?
ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዋሽንግተን ብመሰረት ዝገበርዎ ስምምዕ፡ ኢትዮጵያ ግብጽን ሱዳንን 15 ጥሪ ኣብ ዋሽንግተን ተራኺበን እንተደኣ ክሰማምዓ ዘይከኣላ፡ ዓንቀጽ 10 ናይቲ ቅድሚ ዓመታት ዝተፈራረመኦ 'ዲክላሬሽን ኦፍ ፕሪንስፕልስ' እዩ ተግባራዊ ክኸውን።
ብመሰረት እቲ ዓንቀጽ፡ እቲ ጉዳይ ናብ መራሕቲ እተን ሃገራት ክምራሕ ወይ ድማ ሽምግልና ሳልሳይ ኣካል ክሓትታ ዝድንግግ እዩ።
ኣብቶም ቅድም ክብሉ ዝተገበሩ ዘተታት ብተዓዛብነት ክሳተፉ ዝጸንሑ፡ ኣመሪካን ባንኪ ዓለምን፡ ናይ ምሽምጋል ግደ ክጻወቱ ከምዝኽእሉ እዩ ዝግመት።
ሚኒስተር ማይን ጸዓትን ኢትዮጵያ ስለሺ በቀለ፡ ከይዲ ህንጸት እቲ ግድብ ከምዘይቋረጽን ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ ሓምለ ጀሚራ ነቲ ግድብ ማይ ምምላእ ከምእትጅምርን ገሊጹ'ሎ።