እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግድብ ሕዳሰ፡ ግጥም ‘ቲክቶክ’ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያን ግብጽን
ኢትዮጵያውያንን ግብጻውያንን፡ ኣብ ጉዳይ መሰላት ማይ ኣባይ/ናይል ኲናት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣጒዶም ኣለዉ።
ሓደ ካብቶም ብሰፊሑ ተዘርጊሖም ሰብ ዝቀባበለሎም ዘሎ ቪድዮታት ግን፡ እቲ ሓንቲ መንእሰይ ኢትዮጵያዊት፡ ንሃገራ ዝውክል ዝመልአ መቕድሒ ማይን፡ ክልተ ንሱዳንን ግብጽን ዝውክል ጥራዩ ብርጭቆታት ቀሪባ ዘርኢ’ዩ።
እታ ኢትዮጵያዊት፡ ብቋንቋ ዓረብ፡ ‘ሱዳናውያን ኣሕዋትና ስለዝኾኑን ስለንፈትዎምን’ እናበለት፡ ፈለማ ነታ ናይ ሱዳን ብርጭቆ ትመልኣ፡ ድሕሪ ድማ ነታ ናይ ግብጺ።
ደሓር ግን ተጣዒሳ፡ “ደስ እንተ ኢሉኒ ጥራየ ዝህበኩም፡ ስለዝደለኹሞ ኣይኮነን” ብምባል ነታ ናይ ግብጺ ጥራሓ ኣትሪፋ ወልዊላ ኣድሪቓታ።
ሓንቲ ካልእ ተጠቃሚት ቲክቶክ’ውን፡ ንሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ዝውክላ መሳተዪታት ድሕሪ ምፍሳሳ፡ ኣብ መወዳእታ ነታ ናይ ግብጺ ናብታ ናይ ኢትዮጵያ ብምምላስ፡ ጥራያ ኣትሪፋታ።
በዚ ዝተቖጠዐት ሓንዲ ግብጻዊት ብወገና፡ ብናይ ቆልዑ መጻወቲ (ሌጎ) ግድብ ብምስራሕ፡ ብድሕሪኡ ሓንቲ ዝመልአት ብርጭቆ ኣቐሚጣ፡ ኣካላዊ ሓይላ እናርኣየት ከኣ ነቲ ዝሰርሓቶ ‘ግድብ’ ብምፍራስ ነታ ዝመልአት ማይ ጨሊጣታ።
እዚ ኣብ ዓውደ-ውግእ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝካየድ ዘሎ ህልኽ ዝመልኦ ምጉት፡ ኣብቲ ጉዳይ ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዘሎ ወጥሪ እናወኸ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን’ኡ ዝካየድ ዘሎ።
ግብጺ በሰንኪ’ቲ ግድብ ማይ ከይጎድላ ክትሰግእ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብወገና፡ መሰለይ’ዩ ብምባል ምህናጽ ትቕጽል ኣላ። ሱዳን ድማ ኣብ መንጎ ተቐርቂራ ከተዕዘምዝም ትስማዕ።