ኣባላት ባይቶ ግብጺ፡ ሃገሮም ናብ ሊብያ ወተሃደራታ ክትሰድድ ኣጽዲቖም

ባይቶ ግብጺ፡ ወተሃደራት ግብጺ ናብ ሊብያ ኣትዮም ንሃገራዊ ድሕነት ግብጺ ክከላኸሉን ኣንጻር ግብረሽበራውያን ክዋግኡን ከምዝወሰኑ ኣፍሊጦም።

ግብጺ ነቶም ንርእሰ ከተማ ሊብያ ዝኾነት ከተማ ትሩፑሊ ከቢቦማ ዘለዉ ብጀነራል ካሊፋ ሓፍታር ዝምርሑ ሰራዊት እያ ትድግፍ።

ሸሕ እኳ ፕረዚደንት ትራምፕን ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲን ብተሌፎን ድሕሪ ምርራቦም እዚ ውሳነ እንተተወሰነ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ሊብያ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ዝኾነ ምትእትታው ከይግበር ከምዘተዛረበ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንጀነራል ሓፍታር ዝድግፍ ኣብ ምብራቅ ሊብያ ዝርከብ ባይቶ መንግስቲ፡ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ሊብያ ኢዱ ክእቱ ጸዊዑ ነይሩ እዩ።

ሰራዊት ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 30 ዓመታት ካብ ሃገሩ ወጻኢ ኵናት ኣካይዱ ከምዘይፈልጥ'ዩ ዝሕበር።

ጀነራል ከሊፋ ሓፍታር፡ ብግብጺ፤ ስዑዲ ዓረብ ከምኡ'ውን ብኢማራት ዓረብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምዝግበረሉ ይንገር።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ዝተዋሃቦ መንግስቲ ሊብያ ድማ፡ ብቱርክን ቐጠረን'ዩ ዝድገፍ።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ መንግስቲ ሊብያ፡ ምስቶም ብጀነራል ካሊፋ ሓፍጣር ዝምርሑን ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ ዓሪዶም ዘሎውን ዕጡቓት እዩ ዝዋጋእ ዘሎ።

ብሰንኪ እዚ ኣብ ሊብያ ተፈጢሩ ዘሎ ዕግርግር፡ እስላማዊ ጉጅለታትን ሰምሰርትን ኣብቲ ቦታ ክንቀሳቐሱ ብምጅማሮም፡ ንሃገራት ኤውሮጳ ስግኣት ፈጢርልም ከምዘሎ ይግለጽ።

ሊብያ፡ ኣብ 2011 ብኪዳን ሓይልታት ኣትላንቲክ ዝተደገፈ ህዝባዊ ተቓውሞ ንስርዓት ሙዓመር ቐዛፊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምዕላዉ፡ ድልዱል መንግስቲ ክትምስርት ኣይከኣለትን ዘላ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ናይታ ሃገር ድማ፡ ብዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ክትሕቖን ጸኒሓ ኣላ።