ሞተር ብዘይብላ ጃልባ ንዓዲ እንግሊዝ ክኣቱ ዝፈተነ ኤርትራዊ ስደተኛ ተተታሒዙ

ካብ ምዕራብ ኣምስተርዳም ብጎማ ብዝተሰርሓት ጃልባ ንዓዲ እንግሊዝ ክኣቱ ዝፈተነ ኤርትራዊ ስደተኛ መንእሰይ፡ ብናይ ሆላንድ ብኣባላት ድሕነት ሓይሊ ባሕሪ ከም ዝደሓነ መራኸቢ ብዙሓን ሆላንድ ገሊጸን።

እቲ ተንሳፋፊት ጃልባ ተጠቒሙ: ናብ ወደብ ኢይሙዲን ቅድሚ ምእታዉ ኣብ ማያት ሰሜን ዝተታሕዘ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ ነታ ጃልባ ብገረብን ፈስታላታት ከም ዝስርሓን ምንም ሞተር ከምዘይነበራን ተሓቢሩ።

እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ንጉዕዝኡ ዝኾኖ ጃሪካን ማይ፡ ቡንን ንሞባይሉ ቻርጅ ንምግባር ዝሕግዞ ብጸሓይ ዝሰርሕ መምልኢ ጸዓት ተማሊኡ ነይሩ።

ንግስታዊት ማሕበር ድሕነት፡ ምስቲ ስደተኛ ንኽረዳድኡ ብዙሕ ከም ዘሸግሮም ሓቢሮም። እቲ ስደተኛ ብማዕበል ባሕሪ እናተሓገዝ እዩ ንዓዲ እንግሊዝ ክኣቱ ሓሲቡ ተባሂሉ።

ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንሃለዋቱ ብዝምልከት ምስ ዳች ሮያል ኔቭይ ዝገበሮ ናይ ስልኪ ዝርርብ ኣይተዓወተን።