ኮሮናቫይረስ፡ መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ንቊጠባ እቲ ዞባ ንምሕዋይ ገዚፍ ባጀት ሰሊዖም

ምንጪ ስእሊ, AFP
መራሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲ ዝርርብ ኣብ ቊጠባዊ ምሕዋይ እቲ ዞባ ዝውዕል ገዚፍ ባጀት ክስላዕ ተሰማሚዖም።
እቲ 27 ሃገራት ዝጥርንፍ ዞባ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝወረደ ቁጠባዊ ዕንወት ንምሕዋይ 859 ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቑ'ሎ።
ነቲ ዝርርብ ዝመርሕ ዝነበረ ቻርለስ ሚኪል፡ "ንኤውሮጳ ወሳኒ ህሞት" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ዝርርብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዝተጀመረ ኮይኑ፡ ነተን ብኮሮናቫይረስ ዝያዳ ተሃሲየን ዘለዋ ሃገራት ዝኸውን 390 ቢልዮን ዩሮ ደገፍ ክግበር ከምዝተሰማምዑ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ገሊጹ።
እተን 'ብምቑጣብ' ዝፍለጣ ሃገራት ስዊድን፡ ደንማርክ፡ ኣውስትርያ፡ ኔዘርላንድ ከምኡ'ውን ፊንላንድ፡ ነተን ብኮሮናቫይረስ ዝያዳ ዝተሃስያ ሃገራት 500 ቢልዮን ዩሮ ሓገዝ ምግባር ንዝብል ተቓዊመንኦ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኔዘርላንድ ዝምራሕ ዝነበረ ጉጅለ፡ እቲ ዝወሃብ ገንዘብ ልዕሊ 375 ቢልዮን ዩሮ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣብቲ ኣኼባ ኣስሚሮምሉ።
ከም በዓል ስጳኛን ጥልያንን ግን ትሕቲ 400 ቢልዮን ዩሮ ከምዘይቕበላ ብወግዒ ኣፍሊጠን ነይረን።
ኣብ መወዳእታ ግን እተን ቖጣባት ሃገራት ስዒረን፡ እቲ ዝወሃብ ሓገዝ 390 ቢልዮን ዩሮ ክኸውን ተሰማሚዖም።
እቶም መራሕቲ እንታይ ኢሎም?
መራሒ ፈረንሳ ኤማንኑል ማክሮን "ታሪኻዊ መዓልቲ" ክብል ገሊጽዎ።
መራሒት በልጁም ሶፊ ዊልምስ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝጸሓፈቶ ድማ ''ቅድሚ ሕጂ ንመጻኢ ኤውሮጳ ዝኸውን ወፍሪ ተራእዩ ኣይፈልጥን" ክትብል ገሊጻቶ።
ኣቦ ወንበር ኤውሮጳዊ ሕብረት ብወገኑ፡ "መራሕቲ ንመጻኢ ኤውሮጳ ሓባራዊ ሓላፍነት ኣርእዮም" ክብል ነቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ንኢዱ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







